ኣመሪካ፡ “ንቀዳማይ ሚኒሰትር ኢትዮጵያ ግዜ ምሃብ ማለት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ተጋሩ ብጥምየት ክሃልቁ ምፍቃድ ማለ’ዩ” ክትብል ኣፍሊጣ።

ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት ንኽወፁ ምእዛዙ ብፅኑዕ ከምዘወግዞን ንቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮምን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰኖ ውሳነ ዳግም ክፍትሾ ከምዝግባእ ብምግለፅ እንተዘይኮይኑ ግን ኣሜሪካ ዘየማትእ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ንድሕሪት ከምዘይትብል ኣንቶንዮ ብሊንከን ኣጠንቂቁ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ባይደን ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኣዘዘ ብምዝኽኻር ንቀዳማይ ሚኒሰትር ኢትዮጵያ ግዜ ምሃብ ማለት ብሚልናት ዝቑፀሩ ተጋሩ ብጥምየት ክሃልቁ ምፍቃድ ማለት ከምዝኾነ ብሊንከን ኣተሓሳሲቡ።

ብተወሳኺ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምብራር ሰራሕተኛታት ሑቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካ ብፅኑዕ ከምእትኹንኖ ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጄን ፕሳኪ ሓቢራ።

እቲ ተግባር ምብራር ሰራሕተኛታት ረዲኤት፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕን ጅምላዊ ቅትለትን ከይፃረ ዝተፍሓሰ ሽርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ፕሳኪ ገሊፃ።

ከምኡ እውን እቲ ናይ ምብራር ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይህሉ ንምግባር ከምዝኾነን ነዚ ተግባር ዘየላጢ ስጉምቲ ከምእትወስደሉ ጄን ፕሳኪ ኣጠንቂቃ።

ዋና ፀሓፊ ሑቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ምብራር ናይቶም ሰራሕተኛታት ረዲኤት ከምዘሰምበዶን ሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝለዓለ እምነት ከምዘለዎን ገሊፁ እዩ።

ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንሰራሕተኛታት ገባሪ ሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ሓዊሱ ንመንግስቲ ትግራይ ሓጊዝኩም ብዝብል ተዋስኦ ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ከምዘባረረ ዝዝከር እዩ።

One thought on “ኣመሪካ፡ “ንቀዳማይ ሚኒሰትር ኢትዮጵያ ግዜ ምሃብ ማለት ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ተጋሩ ብጥምየት ክሃልቁ ምፍቃድ ማለ’ዩ” ክትብል ኣፍሊጣ።

  1. When will is take measure? After edge of deaths of Tigray’s mother’s & kids. They are already dying. The Ethiopian government is very successful in its genocidal missions & project. Over.

Comments are closed.