ኣብ መዋሰኒ ከባብታት ዓፋርን ኣምሓራን ሓድሽ ጎንፂ ከምዝተልዓለን ህይወት ሰብን ንብረትን ከምዝጠፍአ ፍልፍላት ገሊፆም።
እቲ ግጭት ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ሓረስቶት ዝተፈለመ ከምዝነበረን ሕዚ ድማ ሓይልታት ፀጥታ ክልቲኦም ክልላት ተሓዊሶሞ ኣብ ከባብታት ኣርጎባ ውግእ የካይዱ ከምዘለው ይግለፅ ኣሎ።
ምስ ትግራይ ሓዊስካ ምስ ኩሎም ብሄራት ኢትዮጵያ ዝዋጋእ ዘሎ ኣሃዳዊ ስርዓት ኣምሓራ ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዘሎ ሓያል ግርጭት ንምህዳእ ትግራይ ክትወረና ትዳሎ ኣላ ዝብል ተደጋጋሚ መግለፂ ምውፅኡ ይፍለጥ።