ቃልሲ ሶሻል ዲሞክራሲያውያን ተጋሩ ኣብ ፍትሕን ተሓታትነትን

ብ ተስፍኣለም በርሀ

ሶሻል ዲሞክራሲ ከም ስነ-ሓሳብ መፈፀሚ ዕላማታቱ ዝወስድ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ለካቲት፣ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብሄራዊ መሪሕነት፣ ኣብ ፅንተት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ መጋባኣያ ፍትሒ ክቐርቡን፣ ተሓታትቲ ኽኾኑን ቃልሲ ከም ዘካይድ ወሲኒኑ እዩ። እዚ ስራሕን ሓላፍነትን ድማ ንክፍሊ ሕግን ስነ መንግስትን እቲ ውድብ ከሳልጥ ኣንፈትን መምርሕን ብምሃብ ናብ ስራሕ ኣትዩ ይርከብ።

በዚ መሰረት ክፍሊ ሕጊን ስነ መንግስትን ሳወት ትልሚ ኣውፂኡ ናብ ስራሕ ዝኣተወ እንትኸውን፣ ኣንፈት ቃልሱ ዘነፅር ሰነድ እውን ኣዳልዩ እዩ። ኣብ ኣንፈት ቃልሲ ምርግጋፅ ፍትሕን ተሓታትነትን ሰለስተ መበገሲ ኣማራፂታት ከም ዝስዕቡ ቀሪቦም እዮም። 1) ፍትሒን ተሓታትነትን ንኽረጋገፅ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዲያስፖራ ምፍጣር፣ 2) ኣብ ወፃኢ ሃገራት ንናይ ህወሓት ነባር ውዳበ ዝትክእ ሓዱሽ ውዳበ ብምፍጣር ቃልሲ ፍትሒን ተሓታትነትን ብሞንጎኛታት ወይ ብሳወት ክምራሕ ምስራሕ፣ ከምኡ እውን 3) እቲ ኣብ መስከረም 2014 ዓ.ም ዝቐረበ መባእታዊ ምርመራ ዓለም ለኸ መርመርቲ ገበናት ትግራይ ዘጉልሁን ዘጠናኽሩን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምስራሕ ዝብሉ ይርከብዎም፡፡

ነዞም ዝተጠቀሱ ኣንፈታት መሰረት ብምግባር ምስ ክፍሊ ወፃኢ ጉዳያትን ርክብ ህዝቢን እቲ ውድብ ብምትሕብባር ድማ ዛጊድ ፈላማይ ዋዕላ ፍትሕን ተሓታታይነትን ምስ ዲያስፖራ ኣካይዱ እዩ።

ምጥያሽ ጉጅለ ፍትሕን ተሓታትነትን

ነቲ ቪርቹዋል ዋዕላ ስዒቡ ነዚ ስራሕ ሓላፍነት ወሲዱ ዝፍፅም ጉጅለ ንክጣየሽ ብዝተገበረ ፃዕሪ መሰረቶም ኣብ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ኮይኖም ዝተጣየሹ ማሕበረትን ማሕበረሰብ ሲቪልን ተጋሩ ዝሓዘ ሓደ ጉጅለ ተጣይሹ እዩ። እዞም ማሕበራትን ሲቪል ማሕበረሰብን ኩሎም ካብ ዋህዮታት ህወሓት ዝፀረዩን፣ ናፃን ገለልተኛታትን እዮም፡፡

እዚ ጉጅለ ኣብ ድሕሪ ሕድሕድ ማሕበር ነናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዝሓዙ ሰባት ዝሓዘ እዩ፡፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ጀኔቫ ቤት ፅሕፈት ዝሰርሑ፣ ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ፣ ኣሜሪካ፣ ኖርወይ ፣ ጀርመን ንጡፍ ተሳትፎ ዘለዎም ሰባት ኣለዉዎ፡፡ እዚ ጉጅለ ብፍላይ ምስ ኮሚሽን ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ መርማሪ ገበናት ኣብ ኢትዮጵያ ( ICHREE) ዝፈጠሮ ርክብ ኣዝዩ ጥቡቕ ነይሩ፡፡ በዚ እውን ካብ ወርሒ መጋቢት መወዳእታ ጀሚሩ ክሳብ መጀመርታ ሓምለ /2015 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ናይ ጀኖሳይድ ገበናት መረዳእታታት ኣብ ምትሕልላፍ ብፃዕቒ ሰሪሕሉ እዩ፡፡ ሕድሕድ ዝተሰደደ መረዳእታ ተቐቢልና ኣለና ዝብል መረጋገፂ ካብ ICHREE ይመፅእ ነይሩ፡፡ ኣገባብ ኣሳድዳ መረዳእታ ዝነበረ ርክብን ብዝርዝር ኣብ ፀብፃብ ስለዝቐርብ ንሐዚ ተዘሊሉ ኣሎ፡፡እዚ ጉጅለ ብፍላይ ዕድመ ICHREE ክናዋሕ ሰፊሕ ፃዕሪታት ገይሩ ነይሩ፡፡

ICHREE ንምታይ ዕድሚኡ ክናዋሕ ዘይከኣለ?

ዕድመ ICHREE ክናዋሕ ብፍላይ ኣውሮፓ ሕብረትን ኣሜሪካን ዘይደገፍሉ ምኽንያት ብዋናነት ኣብ ክልተ ነጥብታት ከፊልካ ክርአ ይኽእል፡፡

ሓደ፡ ረብሓአን ዝነክእ ዲፕሎማስያዊ ፅዕንቶ

ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካ ዳርጋ ኩለን “African solution for African problems” ዝብል መርገፂ ብምሓዝ፣ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ባዕለን ፀገም ብምፍጣር ባዕለን ፈረድቲ እናኾና ጣልቃ ይኣትዋ ኣለዋ ዝብል ሙጉትን ዲፕሊማቲክ ሓሜትን ኣበርቲዐን ቀፂለናሉ እየን። በቢ መድረኹ ብዛዕባ ገባሪ ሓዳግነት ኒዮ ሊበራሊዝም ስለ ዘልዓል፣ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ውጥጥ ምእታው ኣይደለያን እየን፣ ብምባል ባዕለን እተን ኣካቢት ኮሚሽነር ICHREE ዝነበራ ተዛሪበን እየን። እተን ሃገራት ምዕራብ ልዕሊ ምርግጋፅ ፍትሒ ትግራይ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ዝህልወን ርክብ መሪፀን።

ብካልእ ገፅ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፅልኢት ከም ዘለወን ዝተንፀባረቐሉ ከይዲ ከም ዝንበረ እውን ተራእዩ እዩ። እቲ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝርአ ኣተሓሳስባን ፕሮፖጋንዳ ዝተሰረሐሉን ህወሓት ንኢትዮጵያ ዝመጥመጠ፣ ስልጣንን ኢኮኖሚን ክብሕት (ሞኖፖሊ) ዝደሊ፣ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኣፍሪካ ክምዝምዝ ዝደሊ ሓይሊ ዝብል ተረኽ ኣብ ብዙሓት ኣፍሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ሰሪፁ ከም ዘሎ ተረዲእና ኢና። ኣፍሪካ ሕብረት ባዕሉ ቀንዲ ደጋፊ ሙቅቁራፅ ዕድመ ICHREE ኮይኑ እዩ ቀሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣብ ኣተሓሳስባ ፀጋማዊነት ህወሓት ዘለዎም ኣረኣእያ ከም ዘሎ ኮይኑ ብሓፈሻ ግና ትግራይ ብምድጋፍ ዝርብሕዎ ነገር ኣይተራኣዮምን። ትግራይን ተጋሩን ኣብ ቀፃሊ መንግስትነት ኢትዮጵያ ጠንካራ ፅልዋ ፈጢሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልዎም ኢኮኖምያውን ፀጥታዊን ረብሓ ክሐልዉ ዘለዎም ተኽእሎ ወይ ድማ ሃገር ንምምስራት ዘለዎም ተኽእሎን ዝህልዎም ፅልዋን (Leverage) ብምምዝዛን ምስ ሓይሊ ኦሮሞ ክበኣሱ ኣይደለዩን። ብፍላይ ድሌት ኣሜሪካ ምስቲ ሐዚ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ተታሓሒዙ ዝለዓል ዘሎ ኣጀንዳ ዝተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣሎ።

ካልኣይ፡ ውሽጣዊ ፀገም ትግራይ፥

ምንዋሕ ዕድመ እቲ ኮሚሽን ድጋፍ ክርከብ እንተኾይኑ፣ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይተፈፀመን፣ ሐዚ እውን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀፂሉ ኣሎ፣ ቀፃሊ ድማ ስግኣት ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣልለና፣ ዝብል ደብዳቤ ብወግዒ ንሕቡራት መንግስታት ክፅሕፉ ኮሚሽነራት ICHREE ንምምሕዳር ትግራይ ብተደጋጋሚ ምሕፅንታ ኣቕሪቦም እዮም። ይኹን እምበር ሰበ ስልጣን ትግራይ ከምዚ ዓይነት ደብዳቤ ክፅሕፉ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ኣብ መወዳእታ እውን ዋላ ስምምዕነት ፕሪቶርያ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ጥራሕ ዝገልፅ ሓተታ ክፅሕፉ ተሓቲቶም ፍቃደኛታት ኣይኮኑን።

እተን ተገዳሲነት ዝነበረን ከም ኖርወይን እንግሊዝን ዝበላ ሃገራት ዕድመ ICHREE ክናዋሕ ሕቶ ከቕርባ ድልዋት እኳ እንተነበራ፣ በዓል ዋና ዘይደለዮ ምርመራ ክቕፅል ሕቶ ነቕርበሉ ምኽንያት የለን፣ እንተኣቕረብና እውን ብድምፂ ብልጫ ዝወድቕ ምዃኑ ስለ ዘይተርፎ ትርጉም የብሉን፣ ናብ ዝብል መደምደምታ እየን በፂሐን። በዞም ቁልፊ ምኽንያታትን፣ ከም ናይኒ ቻይናን ራሻን መርገፂ ዝነበሮ ፅልዋን ተደማሚርዎ ዕድመ ICHREE ክናዋሕ ኣይከኣለን።

ቀፃሊ ኣንፈት ቃልሲ ፍትሕን ተሓታትነትን
ቃልሲ ፍትሒን ተሓታትነትን ተጋሩ ክዕወት እዞም ዝስዕቡ ኣንፈት ቃልሲታት ምትግባር የድሊ

1: ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምምፃእ ዓቕምን ተሰማዕነትን ትግራይ ምብራኽ
ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ህወሓት ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ላዕለዋይነቱ ክስእን ብምግባር ሓዱሽ ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ ተጋሩ ዝእክብ፣ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘመሓይሽ ስርዓት ብምትካል፣ ኣብ ነዊሕ እዋን ድማ ሃገር ብምትካል ንፍትሕን ተሓታትነትን ዝግበር ቃልሲ ተሰማዒነቱ ክዓቢን ተቐባልነት ክረክብን ምስራሕ እቲ ቀዳማይ መፍትሒ እዩ።

2: ብዓለም ለኸ ትካላት ፍትሒ ክሲ ክቐርብ ምስራሕ
ብኮሚሽን ምርመራ ሰብ ሞያ ምፅራይ ገበናት (ICHREE) ዝቐረበ ውፅኢት ምርመራ ባዕሉ ዓለም ለኸ ሕግታት ከም ዝተጠሓሰ ስለ ዘረድእ፣ ነዚ ዝፈፀሙ ኣካላት ብዓለም ለኸ ትካላት ፍትሒ ክሕተቱ ፃዕሪታት ምሕያል የድሊ። ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዲብዎም ዝነበሩ መርመርቲ ስራሖም ከቋርፁ ዋላ እንተገበረ ጉዳይ ፅንተት ትግራይ ግና ካብ ኢዱ ኣይወፀን። እንተደልዩ ነቲ መዲብዎ ዝነበረ ኮሚሽን ገዲፉ ብካልእ መንገዲ ምርመራ ክቕፅል፣ በቲ ሐዚ ዝቐረበ ሪፖርት መሰረት ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ሐዚ እውን ኣብ ጠረጴዛኡ ኣሎ። ክሳብ ኣብ ቀፃሊ ሙሉእ ምርመራ ተገይሩ ጉዳይ ትግራይ ጀኖሳይድ ምዃኑ ዝረጋገፅ፣ በቲ ሐዚ ዝቐረበ ሪፖርት ዝተረጋገፁ ገበናት ዝፈፀሙ ኣካላት ብዓለም ለኸ ትካላት ፍትሒ ኣቢሎም ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሰፊሕ ቃልሲ ይፅበየና።

3: ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝገብረሉ ሳወታዊ ኣማራፂ ፍኖተ ካርታ ፍትሒን ተሓታትነትን ሒዝካ ምቕራብ

3.1: ፍኖተ ካርታ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ

ሳወት ንሰነድ ስግግር ፍትሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነፂግዎ ዝሓደረ እዩ። ይኹን እምበር ሰነድ ስግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ድጋፍ ረኺቡ ይመፅእ ስለዘሎ፣ `ነፂገዮ እየ` ጥራሕ ዝብል ኣካይዳ ምህዳምን ተሓሳማይነትን ግደ ቀላስነት ፖለቲካ ዘስእን ስለዝኾነ፣ ሳወት ናይ ባዕሉ ፍኖተ ካርታ ፍትሕን ተሓታትነትን ፅንተት ትግራይ ሒዙ ብምቕራብ ፍትሒ ዝርከበሉ መንገዲ ክሕብር፣ ክሙግትን ፖለቲካ ክሰርሕን ይግባእ። ብቓል ጥራሕ ነፂገዮ እየ ዝብል መርገፂ ምሓዝ ንሳወት ካብ ገዛኢ ሓሳብ ኣቕራባይነት ደፊኡ ህወሓት በይና ናይ ቀላሳይነትን ኣማራፂን ግደ ሒዛ ክትቅፅል ዕድል ዝህብ እዩ፡፡ ስለዚ ዝስዕብ ሓፂር ኣንፈት ምሓዝ የድሊ።

ሓፂር ኣንፈት ሰግግር ፍትሒ ሳወት (Brief Roadmap of Transitional Justice)

ስግግር ፍትሒ ማለት ሓቂ ኣተኣላልሽካ፥ (1) ክሲን ቅፅዓትን ገበነኛታት ምርግጋፅ፣ (2) ንዝተበደለ ምኽሓስ፣ (3) ይቕሬታን ዕርቅን ክፍፀም ምግባር፣ (4) ፖለቲካዊን ትካላዊን ስግግር ምክያድ ዝሓቁፍ ከይዲ እዩ።

ክሲን ቅፅዓትን ገበነኛታት ፅንተት ትግራይ
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ባዕሎም ወይ ድማ ወረስቶም ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ንባዕሎም ክቐፅዑ እዮም ኢልካ ስለ ዘይሕሰብ፣ ብተወሳኺ እውን ተሳትፎ ሓይሊታት ወፃኢ ሃገራት (ኤርትራ፣ ዓረብ ኤምሬትስ፣ ወዘተ) ብትካላት ፍትሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክርአ ስለ ዘይኽእል፣ ብካልኦት ተወሰኽቲ ምኽንያታትን እቲ ከይዲ ክሲን ቅፅዓትን ብዓለም ለኸ ትካላት ክረአ ኣለዎ። ስለዚ ክሲን ቅፅዓትን ብሰነድ ስግግር ፍትሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ፈፂሙ ክረጋገፅ ኣይኽእልን።

እንተኾነ ግን፣ ምናልባት ታሕተዎት ኣመራርሓን ፈፀምትን እቲ ገበን፣ ቁፅሮም ብዙሕ ስለ ዝኾነ እቶም ብዓለም ለኸ ትካላት ኣብያተ ፍትሒ ኣብ መጋባእይኦም ነዚ ኹሉ ወንጀለና ክዳነዩ እኹል ትካላዊ መሓውር፣ ሓይሊ ሰብ ዘይክህልዎም ይኸውን። ስለዚ ስግግር ፖለቲካን ትካላትን እንተተፈፂሙ ከይዲ ፍርዲ ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ፈፀምቲ ገበን ኣብ ኢትዮጵያ ዝዳነይሉ ዕድል ብምፍጣር፣ ዓለምለኻውን ሃገራውን ኣማራፂ ዘዳቐለ (hybrid system) ከይዲ ክስን ቅፅዓትን ክሳለጥ ይኽእል እዩ።

ካሕሳ

ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት እዚ ኣፅንቶታዊ ዂናት ኩሉ ነገሩ ስኢኑ እዩ። መጠን እቲ ጉድኣት ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዝከሓስ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ካሕሳ እንተተሓሲቡ ብቐዳምነት መሬት ትግራይ ናብ በዓል ዋናኡ ክምለስን ዝተፈናቐሉ ናብ ዓዶም ክኣትዉ፣ ተፈናቐልቲ ናብ ዓዶም እንትኣትዉ መንበሪ ገዛኦምን መሰረታዊ ኣቕርቦታትን ክቐርቡሎም፣ ቅድሚ ኩናት ዝነበሮም ሃፍቲ ተመዝጊቡ ካሕሳ ክኽፈሎም ይግባእ። ኣብ መላእ ትግራይ ዝዓነዉ፣ ዝተዘመቱ ኩሎም ዳግም ክትከሉን ክምለሱን፣ ንሕውየት ትግራይ ዝምጥን ድጎማ በጀት፣ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ወዘተ ክፍፀም ኣለዎ፡፡

ይቕረታን ዕርቅን
ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ብዕርቅን ይቕረታን ክነብር እንተኾይኑ ብቐዳምነት ብዛዕባ ቀፃሊ ድሌቱ ዝውስነሉ ሕገ መንግስታዊ መሰል ሪፈረንደም ክወሃቦ ኣለዎ። ብሰናይ ድሌቱ በይኑ ወይ ምስ ዝደለዮ ኣካል ክነብር ዝውስነሉ ዕድል ክፍቀደሉ ይግባእ። እዚ ዕድል ምሃብ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ሓቀኛ ዕርቅን ይቕረታን ክፍጠር ይሕግዝ። ህዝቢ ትግራይ ብድሌቱ ዕፃኡ ክውስን ዕድል ከይሃብካ ዝፍጠር ዕርቂ ግን ዘላቒነት ኣይህልዎን።

ፖለቲካውን ትካላውን ለውጢ
ኣብ ማእኸለዎትን ታሕተዎትን ሓለፍነት ብርኪ ዝነበሩ ፈፀምቲ ገበን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኣማኒ ስግግር ፍትሒ ንምፍፃም ናይ ፖለቲካ ስግግር ተኻይዱ፣ ትካላት መንግስቲ ከም ሓዱሽ ዝፍተሻሉ ኣግባብ ክፍጠር ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ትግራይ እውን ንኹሉ ዝሓቖፈ ጊዚያዊ ምሕደራ ክትከል፣ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘለዋ መንግስታዊ ትካላት ከም ሓዱሽ ሪፎርም ምግባር ኣካል ስግግር ፍትሒ ክኸውን ይግባእ።

ሓዱሽ ውዕሊ፣ ሓዱሽ ምዕራፍ!

—————————————————————————————————-

ተስፋኣለም በርሀ፣ ኣባል ውድብ ሳወት፣ ጠበቓ ሕግን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትእዩ። ኣብዚ ፅሑፍ ዝተገለፁ ሓሳባትን መትከላትን ናይቲ ፀሓፊ ጥራሕ እዮም።