ኣባላት ፅምዶ ዝመርሕዎ ዓፈና ሚዲያታት ትግራይ ንምስላጥ ሓዱሽ ``ኮሚቴ ሚዲያ`` ኣብ ትሕቲ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ተጣይሹ።
ብ ወልደጊዮርግስ ገብረሂወት
ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካ ሳንስን ስነ ዜጋን ዝኾነ፣ ኣባል ውድብ ሳልሳይ ወይነ ትግራይ (ሳወት) ምዃኑ ዝፍለጥ፣ ኣብ ብዙሓት ማሕበራዊ ንጥፈታት ድማ እጃሙ ብምውፋይን ብምትሕብባርን ጉልህ ሽም ዘለዎ ሸዊት ገብረእግዚኣኣብሄር (ሸዊት ውዳሰ) ሎሚ መጋቢት 4 ፣ 2018 ዓ.ም፣ ሰዓት 5:00 ኣብ መቐለ ሲቪል ለቢሱ ብዝመፀ፣ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘርኢ ወረቐት ዘየብሉ ኣዛዚ ፖሊስ ወርዳ ዓዲ ሓቂ ብዝኾነ ፖሊስ ካብ ሆቴል ሊባኖስ፣ “ትድለ ኣለኻ“ ብዝብል ተወሲዱ ኣብቲ ጣብያ ተኣሲሩ ይርከብ። ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘጣየሾ ፖድካስት Romanat Online – ሮማናት ኦንላይን ኣንፃር ኣንፀላልዩ ዝብሃለሉ ዘሎ ዂናት ብምቕስቃሱን ንህወሓት ብምንቃፉን እዩ።

ኣብቲ ዘጣየሾ ሓዱሽ ሮማናት ኦንላይን ፖድካስት ክሳብ ሕዚ 19 ቪድዮታት ዩትዩብ ዝተሓተመ ኮይኑ፣ ሸዊት ባዕሉን ዕዱማት ኣጋሹን ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካ ህወሓትን ትግራይን፣ ዂናት ምቕራይ፣ ሓደጋ ፅምዶ፣ ወዘተ ኣልዒሎም ሪኢቶታት ሂቦምን፣ ትንታነታት ኣቕሪቦምን እዮም። ኣየኖት ትሕዝቶታት እየን ብፍሉይ ንማእሰርቲ ኣብቂዐን ዝብል ዝርዝር ገና ሰኑይ ክሲ እንትምስረት (ብስርዓቱ እንተኸይዶም) ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ክሳብ ሕዚ ግን ብድፉኑ ፀረ ዂናት ምቕስቃስን ኣንፃር ህወሓት ወፍሪ ሚዲያ ምክያድን ዝብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽውዕል ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ፍልፍላትና ሓቢሮም።
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ብወገኑ፣ ኣባሉ ብዛዕባ ዝኾነን ብዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝተኣሰረን ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ዕላዊ መግለፂ ዘውፅአ እንትኸውን፣ መእሰሪኡ ፖለቲካዊ ምዃኑ ከም ዝኣምን ገሊፁ፣ ብህፁፅ ክፍታሕ ድማ ፀዊዑ።
“ብፃይ ሸዊት ገ/ዚሄር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ስሩዕ ስርሑ እናሃለወ ብዕጡቓት ተኣሲሩ ኣሎ። እዞም ዕጡቓት ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከይሓዙ፣ ድንገት ካብ ዝነበርሉ ቦታ እዮም ወሲዶምዎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ብፃይናን ኣባልናን ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ተግባር፤ ኣካል ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን ሰላማውያን ተቃለስትን ናይ ምጥፋእ እኩይ ተግባር፤ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብና ብምእሳር፣ ብምፍርራሕን ራዕዲ ብምፍጣርን ካብ ዓውዲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክወፁ ናይ ምድፋእ ኣዝዩ ድሑርን ጨካንን ተግባር እዩ። ውድብና፡ ኩነታት ብፃይና ብቀረባ ዝከታተሎ ዘሎ ኮይኑ፤ ብህፁፅ ክፍታሕ ብፅኑዕ የተሓሳስብ።“ ክብል ውድብ ሳወት ኣፍሊጡ።
እቲ ትማልን ሎምን (መጋቢት 3-4) ኣብ በይነ መረብ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ ዋዕላታት ዘካይድ ዘሎ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወርሒ ለካቲት 30፣ ስርዓት ህወሓት ፥
“ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ዘለው ኣባላት ውድብና ዝተፈላለዩ ምስምሳት እናፈጠረ ይኣስር፣ የፈራርሕ፣ ካብ ስራሕ ምብራርን ኢሉ እውን ካብ ዓዲ ክለቁ ምፍርራሕን ዝበሉ ተግባራት ብመሓውራቱ ኣቢሉ ይፍፅም ኣሎ`` ክብል ክሲ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ቅድሚኡ እውን ብዕለት 25 ለካቲት ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ እንዳባጉና ዝርከቡ ሸውዓተ ኣባላት ሳወት “ኣባላት ፀጥታ ኢና” ብዝብሉ ኣካላት “መናእሰይ ከይጋደሉ ትንቀሳቐሱ ኣለኹም” ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ፣ ድሓር ድማ ከም ዝተፈትሑን እቲ ውድብ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።
ብኻልእ መዳይ ድማ፣ ማእሰርቲ ሸዊት ገብረእግዚኣብሄር ብጠቋምነትን ደፋእነትን እቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ትሕቲ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝተጣየሸ ሓዱሽ ኮሚቴ ሚዲያ ከም ዝኾነ ፍልፍላትና ይሕብሩ። እዚ ኮሚቴ እቶም ኣብቲ ፅምዶ ዝብሃል፣ ረኽቢ ስርዓት ኢሳያስን ህወሓትን ዘሳልጥ ምንቅስቓስ ዝፍለጡ ጎደፋይ ጥላሁን፣ ኣብርሃ ተኽሉ፣ ከምኡ ኣውን ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረ ጌታቸው ወልደገብርኤል (ጌታቸው ጥጃ) ዝብሃልን ኣባላት ዝገበረ እዩ። እዚ ኮሚቴ ከምቲ ቅድሚ ኣፅንቶታዊ ዂናት ኣብ ትሕቲ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኮይኑ ብእኒ ጌታቸው ረዳ፣ ዘርኣይ ኣስገዶም፣ ኣለም ገብረዋህድ፣ . . . እንዳተመርሐ ሚዲያታት ዝዕፍንን ካብ ሓሳብ ህወሓት ወፃኢ፣ ኣብ ትግራይ ትንፋስ ካልኦት ከይስማዕ ዝዕፍን ዝነበረ፣ ሕዚ ድማ ናይቲ ”zero tolerance” ዝብሃል ፖሊሲ ሚዲያን ፖለቲካን ዘፈፅም ኮሚቴ ምዃኑ እዩ ዝእመን።
ብፍላይ እቲ ጌታቸው ወልደገብሪኤል ዝብሃል ነጋዳይን ኣባል እዚ ኮሚቴ ሚዲያን፣ ቅድሚ ሕዚ ብሚኒስትር ዲኤታነት ኣብ ኢትዮጵያ ተሸይሙ ዝነበረ፣ ምስ ኣይተ ስብሓት ነጋ ስጡም ርክብ ዘለዎ፣ ንቲ ሓዱሽ ስራሕ መካየዲ ትግራይ ቲቪ ኣይተ ኣባዲ ገብረስላሰ ድማ ቀረባ ናይ ስጋ ዘመድ ዝኾነ እዩ። ምስ መራሕቲ ሻዕቢያ ቅርበት ዘለዎን ንኤርትራ ዝመላለስ ምዃኑን እውን ሓበሬታ ዘሎ ኾይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ድማ ፅልዋ ከም ዘለዎ ይንገር። ናይቲ ኮሚቴ ዋና ዕላማ፡ ሚዲያታት ትግራይ ምቁፅፃርን ፣ ኣብ ልዕሊ ፅምዶ የተዓናቕፉ እዮም ዝብልዎም ሰባትን ሚዲያታትን ድማ ስጉምቲ ምውሳድን ምዃኑ ወሃብቲ ሓበሬታ የረድኡ። ሸዊት እውን በዛ ናይ እኒ ጌታቸው ጥጃ ኮሚቴ ሚዲያ፣ ወፍሪ “እሰርዎም“ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝውዓለ ይኣምኑ።
ሸዊት ቅድሚ ሕዚ ክእሰሩ ኣለዎም ተባሂሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብደገፍቲ ህወሓትን ምንቅስቓስ ፅምዶ ዝብሃል ሻዕብያዊ ውጥኖትን ሽሞም ተዘርጊሑ ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 80 ሰባት ሓደ እዩ። ኣብ ወፃእ ዓድን ኣብ ደደቢት ሚዲያን እውን ናይ ``እሰርዎም“ ጎስጓስ ይካየድ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።