ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኲናት ትግራይ

ደሃይ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝሃለቑ ወተሃደራት ሶማልያ ዝሰኣኑ ወለዲ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚዳንት መሓመድ ፎርማጆ ዝገብርዎ ፀቕጢ ቀፂሉ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ክትወስዱ ኢኹም ተባሂሎም ዝተልኣኹ ልዕሊ 7 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሶማልያ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ዘርኢ ሓዱሽ መርትዖ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማልያ ዝግበር ፀቕጢ ከምዝቐፀለ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ወለዲ ናይቶም ደሃዮም ዝጠፍኡ ወተሃደራት ቅድም ኢሉ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንዝነፀገ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ፋርማጆ ዝኹንን ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ከምዝቐፀለ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣባላት ባይቶ ኮሚቴ ሶማልያ፡ እቶም ወተሃደራት ኣበይ ኣተው? ንዝብል ምርመራ ክካየድ ከምዝሓተተ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ዝወፀአ ፀብፃብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ኣሽሓት ወታሃደራት ሶማልያ ኣብ ኵናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ገሊፁ ነይሩ።

ወለዲ ናይቶም ወተሃደራትን መራሕቲ ተቓወምትን ወግሐ ፀብሐ ኣብ ጎደናታት ሞቋድሾ እናወፁኡ “ደቅና ኣበይ ኣለው” ክብሉ ንፕረዚደንት ፋርማጆ ቅልጡፍ ምላሽ ክህቦም ይምሕፀኑ ኣለው።

ኣብ ባይቶ ሶማልያ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃእን ዓለምለኸ ርክባትን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጎቦታት ትግራይ ዝሃለቑ ሶማልያውያን መብርሂ ክወሃቦ ንቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልተ ጊዜ ደብዳበ ዋላ እኳ እንተለኣኸ መልሲ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ።

ልፍንቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጁ ናብዚ ኣሽሓት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ምልሻ ኣምሓራን ድራር ዓረር ሰራዊት ትግራይ ኮይኖም ኣብ ጎቦታት ትግራይ ተሪፎም እዮም።

እንተኾነ ልክዕ ከም ሶማላውያን ደቅና ኣበይ ኣለው? ንምንታይ ዕላማ ይቕዘፉ ኣለው ኢሉ ተቓውሞ ዘስምዐን ደሃይ ደቁ ዝሓትትን ኣካል ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣይተረኣየን።