ዘተ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ጉዳይ ትግራይ

ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን፡ “ምክልኻል ጥሜት፣ ሓለዋ ሰለማውያን ሰባትን ምኽባር ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግን” ብዝብል ሎሚ 3 ሰነ 2013 ዓ/ም ብዛዕባ እንዳተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ዘተ ኣካይዶም፡፡

ዕላማ እቲ ዘተ ኣብዚ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ብቐንዱ ድማ ጉዳይ ቅልውላው ኲናት ትግራይ ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓን ዩኤስ ኤይድን ነቲ እንዳወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምርግጋፅ ምኽባር ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግጋትን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቀፃሊ ግፍዒ ከይፍፀምን መፍትሒ ምንዳይ ዝብሉ ዛዕባታት ትኹረት ናይቲ ኣኼባ ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ናይ ሰበ ስልጣን ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ሓበራዊ ዘተ ብናይ ሲኤንኤን ጋዜጠኛ ንዒማ ኤልባጊር መእተዊ ዘረባ ዝጀመረ ኮይኑ ኮይኑ ንሳ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ትግራይ ኣትያ መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኸሓድዎ ሃለዋት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብሕቡእ ቪድዮ ሰኒዳ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘቕረበት ደፋር በዓልቲ ሞያ ሚድያ እያ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ መገልገልቲ ረፕዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከናሽውዋ ተራእዮም ኣለው።

ኣኼባ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ብመኽፈቲ መደረ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ፈሊሙ፣ ብፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፈሪ ፌልትማን መዕፀዊ ተገይርሉ መዛዘሚ ረኺቡ እዩ፡፡

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊምዳ ቶማስ ግሪንፊልድ« ኣብ ትግራይ ኩሉ ንምእማኑ ዘፀግም ፍፃመታት ንፈልጦ ኢና፣ ዓለም እንታይ እያ ትፅበ ዘላ? ክንሓብኦ ዝደለና ነገር እንታይ እዩ? ወላስ ናይ ኣፍሪካውያን ሂወት ብዙሕ ኣየገድሰናን?» ኢላ ቁጠዓኣ ገሊፃ።

ኣማሓዳሪት USAID ሳማንታ ፓወር ብወገና «ኩሎም ናይ ነዊሕ ዘመናት ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝፀንሑ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣዘራሪበዮም እየ “ከምዚ ዝበለ ከቢድን ሕልኽላኽ ዝተመልኦን ፀገም ሪኢና ኣይንፈልጥን” ከምዝበሉን ስለዚ ኩላትና ኣብ ትግራይ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ምፍላጥ ጥራሕ ግን እኹል ኣይኮነን። ናብ ተግባራዊ ስጉምቲ ክንሰጋገር ኣለና። ፅባሕ ህዝቢ ምስ በረሰ እንታይ ኢና ክንብል? » ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ኣብ ትግራይ፡ ህፁፅን ዘይተገደበን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ቀፃሊ ፃውዒት ዝቐረበ እኳ እንተኾነ ሐዚ እውን ግን ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ውሱን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝበፅሕ ዓመፅ፣ ዕንወት ሆስፒታላት፣ ኣብያተ ትምህርትን ህንፃታት ኣብያተ ኣምልኾን ተጠናኺሩ ቀፂሉ እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኩናት ካብ ዝእወጅ ናብዚ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ሙውቕ ናብራ ገዝኦም ራሕሪሖም ውሑስ መዕቖቢ ክእልሹ ተገዲዶም፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ድማ ተፀባይ ህፁፅ መሰረታዊ ሓገዝን ሓለዋን ኮይኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ፡፡