ሰራዊት ትግራይ ነቲ ፀላኢ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ብፀረ መጥቃዕቲ ብምፍሻልን ብወፍሪ ፀሓይ ብራቕ ዝጀመሮ መጥቃዕትን ስርሒትን ኣጠናኺሩ ብምቕፃልን ካብ ከተማ ደሴ ብቐረባ ርሕቀት እትርከብ ኣዝዩ ዓብዪ ወታደራዊ ረብሓ ዘለዋ ከተማ ኩታበርን በሪ ሜዳን ብተወሳኺ እውን በረቲ፣ ደሆየ፣ ዋኢማ፣ ተለያየንን ተሪንን ዝተብሃሉ ቁልፊ ቦታታት ኣብኡ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ብምድምሳስ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ከምዝተቆፃፀረን ተሓቢሩ።
ኣብዚ ውግእ ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ኮነሬል ታደሰ እንዳለ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 91 ከምዝተማረኸ ቴለቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።
መዕረፊ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ብቐረባ ናይ መዳፍዕ ቀለበት ዝኣተወት ስለዝኾነት ናይ ሲቪል ነፈርቲ ከይዓልባን ከይንቀሳቐሳን ወታራደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብጥብቂ የተሓሳስብ።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ዝነብር ህዝቢ፣ ሰራዊት ትግራይ ንድሕንነቱ ከምዝግደሰሉ ፈሊጡ ካብ ገዝኡ ከይወፅን ከይፈናቐልን ንብረቱ ባዕሉ ክሕሉን ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ ግንባር እትርከቡ ኩሉኹም ኣባላት ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ብውልቀ ይኹን ብሓባር ኢድኩም ንሰራዊት ትግራይ ክትህቡን ነናብ ዝመሰለኩም ክትብተኑን ሂወትኩም ከተድሕኑን ክብል ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ፀዊዑ።