ወተሃደራዊ ክንፊ ሱዳን፡ ከም መሰጋገሪ ንዝተረቑሐ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ተገሊፁ።

ፕረዚዳንት ዑመር ኣልበሺር፡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምእላዩ፡ ከም መሰጋገሪ ተባሂሉ ንዝተሮቕሐ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ መንግስቲ፡ እቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ኣብ ገዛ ከምዝተኣሰረ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

እንተኾነ ነቲ ብወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ተኻይዱ ዝተብሃለ ዕልዋ፡ ኣመልኪቱ ዝኾነ ይኹን መግለፂ ከምዘይሃበ ሓቢሩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ማዕኸን ዜና ኣል ሓዳዝ፡ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ናብ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ብምእታው ንካልኦት ሚኒስተራት ሓዊሱ ከምዝኣሰርዎምን ኣቃሊዑ።

ዓረብ ሊግ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሱዳን ነቲ ብወርሒ ነሓሰ 2019 ዓ/ም/ፈ ዝተፈረመ ስምምዕ ክትግብሩን ከኽብሩን ፀዊዑ።

ብተመሳሳሊ በቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘጋጠመ ኩነታት ከምዝሰምበደን ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ዕልዋ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልቲማን ገሊፁ።

ኩነታት ሱዳን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ሓዊሱ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝያዳ ክሓላልኾ ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ሱዳን ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብሰንኪ ናይ ኣምሓራ ሚሊሻን ፋኖን ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ተቐቢላ ዘዕቖበት ናይ ኩሉሻብ መሓዛ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነት ይፍለጥ።