ኣብቲ ኣብ ቫሌንሲያ ትማሊ “ትሪኒዳድ አልፎንሶ ኢዲፒ” ብዝብል ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ ፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ዓለም ከምዘመዝገበት ተሓቢሩ።
ኣትሌት ለተሰንበት ነቲ ውድድር ብ1 ሰዓት፣ 02 ደቓይቕን 52 መይክሮ ሴኮንድን ብምውዳእ ቅድሚ ሕዚ ብኬንያዊት ኣትሌት ኪቢዎት ካንዲ ተታሒዙ ዝፀንሐ ክብረ ወሰን ከምዝሰበረቶ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ኣትሌት ለተሰንበት፡ ኣብቲ ትማሊ ክብረ-ወሰን ዘመዝገበትሉ ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ5 ሽሕ ሜትሮ ክብረ ወሰን እንትተመሓይሽ፡ ኬንያዊት ሩት ቼፕንጌቲክ ንውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን 1 ሰዓት፣ 04 ደቓይቕን 02 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ኣመሓይሻቶ ምንባራ ይዝከር።
ከምኡ እውን ኣብቲ ውድድር 10 ኪሎ ሜትር ብ29 ደቒቓ እንትዛዝም፡ ኣብ ታሪኽ ፍርቂ ማራቶን ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ኮይኑ ከምዝተመዝገበን ኣብ መዛዘሚ ድማ 15 ኪሎ ሜትር ብ44 ደቒቓን 29 ማይክሮ ሰኬንድን ከምዝወደአቶ ተሓቢሩ።
ኣብ ኦሊምፒክስ ቶኪዮ ወናኒት ነሐስ ዝኾነት ለተሰንበት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ወናኒት ክብረ ወሰናት 5 ሺሕ ሜትሮን 10 ሺሕ ሜትሮን ዓለም ከምዝኾነት ይፍለጥ።