ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንካቢንኡ ኣኪቡ “ኣብዚ ዘለና መራሕቲ እንተንውጽእ እውን ህወሓት በቲ ናይ ቀደም ኣካይድኡ ንኢትዮጵያ ክመርሓ ኣይኽእልን” ክብል ናይ ስዕረቱ ኣፋፍኖት ኣመላኺቱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ንላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንእዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ግምባር ወሎ ዝነበረ ሽሾ ፀላኢ ሃደሽደሽ ኣቢሉ ዝሓፈሶ ዓወት ኣብ ወሎ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ፀዓዱ ተሳቲፎም ክብል ንቡዛሓት ዘገረመ መብሪሂ ሂቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝኽተሎ ዘሎ ስልቲ ኲናት ህዝባዊ ከምዝኾነን ነዚ ምምካት ዝከኣል ብህዝባዊ ኲናት እዩ ክብል ነቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ስዕረት ንምሽፋን ተጠቒሙሉ እዩ።

ከምኡ እውን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንምውጋእ ዘኽእል ምድላው ኣየካየደን ብምባል ነቲ ዘበናዊ ኣፅዋር ድሮን፣ ሽሾ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት፣ ፋኖን ምልሻን ኣምሓራ ብጥምረት ገጢሞም ዝተስዓሩሉ ኲናት ንምሽፋን ዝተጠቐመሉ እዩ።

እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምስተደፍአ ዋላ ሓደ መራሒ ዝደወለለይ የለን ዝበለ መራሒ ኢትዮጵያ “እቲ ኵናት እኮ ህዝባዊ ካብ እንገብሮ 4 ወርሒ ጌርና ኢና፤ ይኹን እምበር እቲ ሆ እንዳበለ ዝተኣከበ ህዝቢ ማይ ምስ ጸምኦ ፋሕ ብትን ኢሉ ከይዱ’ዩ” ኢሉ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ኲናት ምስ ሓደ ወገን ጥራሕ ከምዘይኮነን ኣብ ኲናት ምድፋእን ምንስሓብን፣ ንቡር ከምዝኾነ ብምግላፅ ንገስጋስ ሰራዊት ትግራይ ኣሚኑ።

ኣብይ ኣብ መንጎ መደርኡ እቲ ሕሩጭ ኮይኑ ተኒኑ እዩ ኢልዎ ዝነበረ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣፍገዲኡ ይጽጋዕ ከምዘሎ ኣመላኺቱ። ንሱ “ኣብዚ ዘለና መራሕቲ እንተንወጽእ ወይ እውን እንተንጠፍእ ህወሓት ከም ቀደማ ዓይነት ምሕደራ ተግባራዊ ክትገብር ኣይከኣላን’ዩ” ክብል መዓንጣ ከብዲ ካቢንኡ ሕንዝፍ ኣቢልዎ ኣምሲዩ።

ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣብ እዋን ምህዳሙ መንግስቱ ሃይለማርያም ዝገበሮም መደረታት ብምምስሳል፡ መንግስታት ኣብ እዋን ስዕረቶም ዝገብርዎም ዓቕለፅበታዊ መደረታት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንከባብታት ወሎ ብምቁፅፃር ብኣንፈት ጭፍራን ባቲን መስመር ጂቡቲ ሚሌ ንምሓዝ፣ ብኣንፈት ኮምቦልቻ ድማ ከሚሴ ንምቁፅፃር ንቕድሚት ኣብ ምምራሽ ይርከብ።