ኢትዮጵያ፡ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ “AGAOA” ኣሜሪካ ተሰጕጋ።

ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ዝፀንሐት ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ “AGAOA” ደው ከምዘበለቶ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ክልከላ ግልፂ ብዝኾነ መንገዲ ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝመፁኡ መረዳእታታትን ሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ዘሰክፉ ምዃኖም ከም ምኽንያት ዝቐርብ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ቅልውላው ኲናት ትግራይ፡ ዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል መፍትሒ ብዘይምርካቡ፡ ኢትዮጵያ ካብ “ኣግዋ” ምህርቲ ብናፃ ቀረፅ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ንኽትባረር ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለፅ።

ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ ኣግዋ ኣብ 2020 ዓ/ም ልዕሊ 237 ሚልዮን ዶላር ዝትመኑ ኣቕሑ ብዘይቀረፅ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ከምዘቕረበት ዝፍለጥ እዩ።

ኣግዋ፡ ትሕቲ ሰሃራ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኢንቨስትመንትን ብዙሕነት ፖሎቲካን ምምሕያሽ ንዘርኣያ ሃገራት ከም መበረታተዒ ዝወሃብ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ ኣሜሪካ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኢትዮጵያ ብመንገዲ “ኣጎዋ” ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃብቲ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኮይኖም ኣብ 2012 ዓ/ም ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ ጥራሕ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት ይግለፅ።

እቲ ኢትዮጵያ እትረኽቦ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ “ኣጎዋ” መንግስቲ ኣሜሪካ ደው ምባሉ ሲዒቡ ምስቲ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋን ቅልውላው ቁጠባን ተዛሚዱ ኢትዮጵያ ናብ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምረሓ ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይእምቱ።