መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ዓርስኻ ንምድሓን ፃዕሪ ከምዝኾነ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ህልውንኡ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝርከብ ውልቀ መላኺ ዘተኣሰሰረ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቐብ ኣመልኪቱ ዘውጾኦ መግለጺ ልኣላውነት ኢትዮጲያ ኣብ ሕሊፍካ ብምሃብ ንባዓልካ ብምድሓን ዝግበር ጻዕሪ ከምዝኮነ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ሓቢሩ።

ብመንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ  ዝነበረ  ማዕቀብ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንዝሃቦ መግለጺ ሲዒቡ መግለጺ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ልኣላውነት ሰራዊት ኤርትራ ዳግም ትግራይ ንምውራር ዝተወሃበ ቀብዲ( ቅድመ ክፍሊት) እዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ኤርትራ ሐዚ እውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይን ኢሮብን ኣለው ዝበለ እቲ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናይታ ሃገር ብሄራዊ ናይ ጸጥታ ትካላት ህልውነአን ኣኽሲሙ ንናይ ኤርትራ ምክላካል ሰራዊትን ናይ ጸጥታን ድሕንነትን ሰበስልጣን ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ኣብሪሁ።

እቲ ኣብ ክንዲ መንግስቲ ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተወሃበ መግለጺ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዘሎ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ክከላከል ዘለዎም ውዕሊ ዘርእይ ዘበለ እቲ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ እቲ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ውግእ ብሽም ላኣላውነት ክሸፋፍን እናሞከረ  ብካሊእ ወገን ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ልኣላውነት እታ ሃገር  ብዘይሕፈረ ኣሕሊፉ ብምሃብ ኣብ ክንዲ ኤርትራ መግለጺ ከምዘውጸአ ገሊጹ።

ዝተፈለ መካተዒ ነጥቢ ኣብይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክሳብ ዘይተቋወመ ማሕበረሰብ ዓለም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ገበን ኣይምልከቶን እዩ ዝብለ እቲ መግለጺ ህልውና መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተኣሰሰረ ሓቢሩ።

ዕላማ እቲ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሐዚ እውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓገዝ መንግስቲ ኤርትራ ክረክብ ዘይገብሮ ነገር ከምዘየለ ንምርኣይ ዘዓለመ እዩ ዝበለ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ስልጣኑ ንምንዋሓን ንምቅጻልን ልኣላውነት እታ ዓዲ ይሸይጥ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ  ስሑት ርድኢት ልኣላውነት ብምሓዝ ብዘይ ዝኮነ ይኹን ተሓታትነት ብናይ ደገ ጸላኢ ሓይሊ ዜጋታቱ ዘጨፍጭፍን ዘሎ ስርዓት ብምኳኑ ማሕበረሰብ ዓለም እዞም ሓይልታት ካብ ኣጥፋይ ዝኮነ መገዶም ክሳብ ዝእረሙ ኣብ ልዕሊኦም ዝወስዶ ስጉምቲን ጽዕንቶን ክቅጽለሉ ጸዊዑ።