ኣብ ትግራይ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ዝኾና  ወገናት ፍሉይ ሓገዝ ከምዘድልየን ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ዝኾና  ወገናት ካብ ስነልቦናዊ ኣካላዊን ጉድኣት ክሓውያ ዘድልየን ሓገዝ ክግበረለን ፍሉይ ተወካሊት ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ግጭት ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ(United Nations Special Representative on Sexual Violence in Conflict) ፓርሜላ ፓተን ተዛሪባ።

ክቱር ጭካነን ጾታዊ ዓመጽን መለልዪ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ኩናት እዩ ዝበለት ፓርሜላ ፓተን ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ምህላውን ውልቀ ሰባት ብሰንኪ ብሄሮም ዝበጽሖም ዘሎ በደልን ኣዝዪ ከምዘሻቅላ ገሊጻ።

ኣብ ትግራይ ብርኪ ፖሊስ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጲያን ከም ወታደራዊን ፖለቲካዊን መሳርሒ ኮይኑ ጸታዊ ዓመጽ ከም ኲናት መሳርሒ ዝተጠቀሙሉ ኮይኑ ብዓሰርተታ ኣሸሓት ዝቑጸራ ተጋሩ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ጾታዊ ዓመጽ በጺሕዎን እዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ጾታዊ ዓመጽን ንምክልካል ኣብ ኣድላይነት ፍትሕን ተሓታትነትን ከም እንሰርሓሉ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕቲን ዝበጸሐን ግዳያት ዘድልየን ህጹጽ ሓገዝ ክማላእን ካብቲ ዝወረደን ከቢድ በሰላ ንክሓውያን ዳግም ሂወተን ንምህናጽን ዘድልየን ነገራት ክረክባ ክስራሕ ከምዝግባእ እታ ፍሉይ ልኡክ ዝተሓሰበት እንትኸን ኣብ ትግራይ ሐዚ እውን እናተጋደደ ዝርኸብ ሰብኣዊ ቁልዋላው ከምዘሻቂላ ገሊጻ።

ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ብዓሰርተታ ኣሸሓት ዝቁጸራ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተደፈራ ዝግመት ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል፣ ሂማን ራይት ዎችስን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሚድያታትን ምቅለዐን ይዝኸር።