ኲናት ትግራይ ቅድሚ 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ከምዝጀመረ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ገሊፀን።

ሕብረት ኣውሮፖ ንኲናት ኣሜሪካ ንቅልውላው ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኲናት ትግራይ ቅድሚ 4 ሕዳር 2020 ከምዝጀመረን ኮነ ተባሂሉ ትልሚ ተታሒዙሉ ከምዝጀመረ ኣባላት ሕብረት ኣውሮፖ ኣብ ስምምዕ በፂሔን።

ኣብቲ ኲናት ድማ ኤርትራ ኣዚዩ ወሳኒ ከምዝነበራን ኣብ ትግራይ ኣዚዩ መስካሕከሒ ገበን ከምዝፈፀመትን እተን ኣባል ሃገራት ከምዝተረዳድኣ ተገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ማእሰርትን ኢ ሰብኣዊ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ይፍፅም ከምዘሎ ሓላፊት ዩኤስ ኤ ኤይዲ ሳማንታ ፓወር ኣብ ትዩተር ገፃ ፂሒፋ።

እዚ ኩሉ ኢ ሰብኣዊ ነገር ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ ከኣ ብሰንኪ ዓሌቶም እዩ ክትብል ከሲሳ።

ብምዃኑ እውን ኣሜሪካን መሻርኽታን በቲ ዝቐርብ ዘሎ ፀብፃብ ኣዚዩ ከምዝሻቐላን እቶም ብግፍዒ ዝተኣሰሩ ኩሎም ብህፁፅ ክፍትሑ ድማ ሳማንታ ፓወር ፀዊዓ።