ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብዚ እዋን ሱዳን ኣብ “ሓደገኛ መቐይሮ” ከምዘላ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እታ ሃገር “ናብ ዕንወት ከይተምርሕ” ኩሉ ዝከኣሎ ከምዝገበረን ይኹን እምበር ገና ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይተኽኣለን ተገሊፁ።
ብምዃኑ እውን “ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሰከምኩዎ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ መሊሰ፡ ዝኾነ ካልእ ዜጋ ነዛ ክብርቲ ሃገር ካብዚ ዘላቶ መድረኽ ናብ ሲቪላዊት ደሞክራሲያዊት ሃገር ከሰጋግሩዋ ዕድል ክህቦም ከምዘሎኒ ስለእተሰመዓኒ ስልጣነይ ኣረክብ ኣለኹ” ክብል ሃገራዊ ቴሌቪዥን ሱዳን ቀሪቡ ተዛሪቡ።
ቅድም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ምስ ወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝነበሮ ኣፈላላይ ብምፅባብ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተርነቱ ተመሊሱ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ንካቢነ ሚኒስተራት ክመርሕ ኣብ ስምምዕ ምብፃሖም ይዝከር።
ኮይኑ ግና እቲ ሓድሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ወተሃደራዊ ተፅዕኖ ናፃ ክኸውን ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ብምውፃእ ተቓውሞኡ ከስምዕ ፀኒሑ እዩ።
ዋላ እውን ኣብታ ሃገር ሰለማዊ ስግግር ስልጣን ክህሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ካብ ስልጣነይ ተኣልየ ኣለኹ እንተበለ እንተኾነ ሕጂ እውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ተወሳኺ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ድሕሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ብናይ ገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣን ምውራዱ፡ ንጂኦ ፖሎቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክቕይሮ ስለዝኽእል መሪሕነት ትግራይ ነዚ ብዝግባእ ክከታተሎን ኣብ ረብሓ ከውዕሎን ከምዝግባእ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ ይገልፁ።