ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተጠርጢሩ ብኢንተርፖል ክድለ ዝፀንሐ ዮሃንስ ሃብተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

እዚ ዕሉል ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ሰባት ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐን ብደረጃ ዓለም ተደላዪ ገበነኛ ዝነበረን ዮሃንስ ሃብተ “ጆን” ብኢንተርፖል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘለዎ ኤርትራዊ ሰነዳት ሕሶት ብምድላው ደቂ ሰባት ብምስግጋር ተጠርጢሩ ንነዊሕ ጊዜ ይእለሽ ከምዝነበረን ብምትሕብባር መንግስቲ ኬንያ፣ ኢንተርፖልን 16 ታሕሳስ 2021 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣረዲኡ።

እቲ ገበነኛ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ብፖሊስ ድሕሪ ምትሓዙ ናብ ሃገረ ኔዘርላንድስ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ።

ጆን ሃብተ ኣባል ስለያን መሰጋገሪ ሰባትን ኮይኑ ሓያሎ ኤርትራውያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፋላለየ ግዚያት ካብ ሱዳን ናብ ሲንጋፖርን ፊሊፒንን ኢሉ እውን ናብ ኣውሮፓ ብዘበናዊ ባርነት ብ20 ሽሕ ዶላር የዘዋውር ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ገበነኛ ምዃኑ እንተደኣተረጋጊፁ ክሳብ 8 ዓመት ልዕሊኡን ብእስራት ከቕፅዖ ከምዝኽእል እውን ተገሊፁ።

እዚ ዕሉል ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ደቂ ሰባት ምስ ሰበ ስልጣን ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ክሳብ ኣንጎላ ዝተዘርገሐ ናይ ቁጠባዊ ወፍርን ምስግጋር ደቂ ሰባትን ስጡም ምትእስሳር ከምዝነበሮ ይግለፅ።