ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማታት ይረአ ንዘሎ ክትራን፣ ስግኣት ፀጥታን ፀገም ውሕስና ሰላምን ካብ ነበርቲ ንዝተልዓለ ሕቶታት ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ምስ ህዝቢ ተራኺቦም ህዝባዊ ኮንፈረንስ ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብቶም ህዝባዊ መድረኻት ካብ ዝተለዓሉ ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ኵነታት ፀጥታን ስግኣት ድሕንነትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ብዙሓት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ “ንድሕነትና ናብ እንሰግኣሉ ብርኪ ወዲቕና፡” ዝብል’ዩ።
ስርቂ፣ ክትራንን፣ መንጢልካ ምህዳምን ካብቶም ዝተጠቕሱ ገበናት እዮም።
ኣብ ግንቦት 2014 ዓም ኣብ ሓደ ህዝባዊ ዋዕላ ዝተረኸበ ፕሬዝደንት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ነቲ ምስ ስግኣት ድሕነትን ፀጥታን ብዝተሓሓዝ ካብ ህዝቢ ዝለዓል ሕቶ ቅቡል ገይሩ እዩ።
ዶክተር ደብረፅዮን ነቶም ዝተልዓሉ ስግኣታት ከም ምኽንያት ዘቕረቦ ኣብ ፖሊስ ዘሎ ፀገም እዩ።
“ቅድሚ ኵሉ ዝጠለመ ንሱ (ፖሊስ) እዩ። ካብ መጀመርያ ተጋደል ኢልናዮ ኢና። ግን ምስ ብልፅግና ዝተሰለፈ ንሱ እዩ። ብውልቀሰባት ዘይኮነስ ከም ትካል እዩ ጠሊሙና። (ፖሊስ) ንህዝቢ ትግራይ ጠሊምዎ እዩ። ብውልቀሰባት ግን ዝተቓለሱ፡ ዝተሰውኡን ሕዚ’ውን ዝቃለሱን ኣለዉ፡” ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ምሉእ ትግራይ ንዘሎ መሓውር ፖሊስ ናይ ምፍራስ ስጕምቲ ከምዝተወሰደ ብምሕባር “ነቲ ነባር ተመሊስና ኣይክነእትዎን። ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ንዘሎ ፖሊስ ብሓድሽ ኢና ክንትክኦ” ክብል ኣብቲ ህዝባዊ ዋዕላ ክዛረብ ተሰሚዑ።” ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ህዝቢ ኵነታት ፀጥታ ካብ እዋን ናብ እዋን እናገደደ ምምፅኡ ንዘልዕሎ ዘሎ ቅሬታ ዝተቐበለ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብዚ እዋን ግን ናብ ምግዳል ዝኸትትን ንፖሊስነት ዝምልመልን ካብ መንእሰይ ብምዃኑ ክፍተት ከምዘጋጠመ ኣረዲኡ።