ካብ 100 ፀለዉቲ ዝኾነት ትምኒት ገብሩ ጆኖሳይድ ተፈፂሙ ብምባላ ምፍርራሕ ከምዝበፅሓ ሓቢራ።

ምህርቲ ኮምፒተር ሳይነስን መሰራቲት "Distributed Artificial Intelligence Research Institute" ዝኾነት ትምኒት ገብሩ(ዶ/ር) ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብስሙ ጆኖሳይድ ኢላ ብምጽውዓ ምፍርራሕ ከምዝበጸሓ ተዛሪባ።

ትምኒት ገብሩ(ዶ/ር) ኣብ ዩኒቨርቲ ካሊፎርንያ ክፍሊ ትምህርቲ ኢንፎርሜሽን በርክለይ ኣብ ዝገብረቶ መደረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ጆኖሳይድ ከምዝኾነ ኣቃሊዓ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘርኢ ናይ ምጽናት ኲናት ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ 500 ሽሕ ዝኣክል ህዝቢ ኣብ ትግራይ ተቐቲሎም እዮም። ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ሙሉእ ክባን ዕጽዋን ኣለው። ኩሉ ግዜ ምግቢ፡ መድሓኒት ኮነ ኢንተርኔት የለን። ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣበይ ከምዝ ኣተው ኣይፍለጥን ዝብለት ትምኒት ገብሩ እቲ ዝከፈአ ኲናት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዩክሬን ዘይኾነስ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዘሎ ክትብል ዋሽንግተን ፖስት ጸሪሓ ኣቃሊዓ።

ኣብ ዩክሬን ዘሎ ኲናት እንተርኢና ክሳብ ሐዚ ሂወት 3000 ዩክሬናውያን እዩ በሊዑ ዝበለት ትምኒት ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ግን ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከምዘጥፈአ ተዛሪባ።

እንተኾነ ክንደይኩም ኢኹም ስለዚ ጉዳይ ኣብ ዜናታት ሰሚዕኹም፡ ኣብ ጎኒ ትግራዎት ጠጠው ኢልኩም ኢላ ንተዓደምቲ ዝሓተት እንትኸውን ኣብ ጎኒ ትግራይ ደው ብምባል ድምጺ ምዃን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ብስሙ ጆነሳይድ ኢላ ምጽዋዕ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ከቢድ ምፍርራሕን መጥቃዕትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝበጸሓ ተዛሪባ።

እንተኾነ ንዓይ እቲ ከቢድ ነገር እዙይ ኣይነበረን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ጆነሳይድ ከውግዙን ድምጺ ክኾኑን ትጽቢት ዝግበረሎም ሙሁራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ስቅታ ክመርጹ፣ምቅናስን ምንእኣስን ከምኡ እውን ናይ ሓሶት ምምስሳል ክገብሩ ምርኣይ እቲ ኣዝዩ ንምርኣይ ዝኸበዳ ነገር ከምዝኾነን ስቃይ ህዝቢ ትግራይ ዕሽሽ ከይብሃልን ለበዋ ኣቅሪባ።

መበቆል ኤርትራ ከምዘለዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊደ ከምዝዓበየት ትዛረብ ትምኒት ገብርሩ(ዶ/ር) ኣብ 2022 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ዓለም ጽልዋ ካብ ዘሕድሩ 100 ሰባት ሓንቲ ኮምዝኮነት ኣብዚ ወርሒ ዝወጸ ጋዜጣ ታይምስ ምሕባሩ ይዝከር።