ንተወሳኺ ምርመራ ተላኢኹ ዝፀንሐ ኣስከሬን ስነጥበባዊ ዳዊት ነጋ ናብ መንበሪ ገዝኡ ተመሊሱ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ከባቢ እንዳ ማርያም ተወሊዱ ዝዓበየን ካብ ወዲ 15 ዓመት ዕድመኡ ኣትሒዙ ህይወቱ ምስ ሙዚቃ ዘሳነየ ዳዊት ነጋ ኣብ መበል 33 ዕድሚኡ ብሃንደበት ዓሪፉ።

ንመሰናኽላት ህይወት ብጽንዓት ሰጊሩ “ዳኣመና” ትብል ሙዚቃኡ ናብ ኣፍቀርቲ ጥበብ ሙዚቃ ትግርኛ ብምዝርጋሕ ብሰፊሑ ክልለ ዝጀመረ ዳዊት ኣብ ልቢ ሚልዮናት ብጥበብ ሙዚቃ ዝሰፈረ ብሉጽ ትግረዋይ ስነጥበባዊ ከምዝኾነ ብዙሓት ይምስክሩ።

ካብ ፍትዋት ስራሕቲ ስነ ጥበባዊ ዳዊት ነጋ ባባ ኢለን፣ ዘዊደሮ፣ ወዛመይ፣ ቸኮላታ፣ ደስ ይብለኒ ሎ፣ ቅዱስ ፀባያ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ዘሎ ፀገም እተንፀባርቕን እተፅናዕንዕን ኣጆኺ ትግራይ ዝብል ስራሕቲ ናብ ህዝቢ ወዚዑ እዩ።

ከምኡ እውን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ደርፍታት ዝርከቡዎም ብቋንቋታት ሳሆ፣ ኦሮምኛ፣ ትግርኛን ካለኦትን ዝተሓናፈፁ ዘይምኖ ስራሕቲ ጥበብ ሙዚቃ ብምድላው ኣዝዩ ብሉፅ ስነ-ጥበባዊ ካብ ዝገበረዎ ስራሕቱ እዮም።

ስነጥበባዊ ዳዊት ነጋ ሓዱሽ ቅዲ ሙዚቃ፣ ክሊፕን ጥበባዊ መዓዛን ናብ ህዝቢ ብምቕራብ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ስሙ እናገነነ ዝመጸ ኮይኑ ፤ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ምውልዑ እውን “ኣጆኺ ትግራይ” ትብል ጽንዓት ተስንቕ ደርፊ ኣብ ጓጓ ፀላኢ ኮይኑ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ወዚዑ እዩ።

ከያኒ ዳዊት እታ ኣብዚ ቀረባ ግዚያት “ኣጆኺ ትግራይ” ብዝብል ዝሰርሓ ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እተተባብዕን ንስቓይ ህዝቢ ትግራይ እትገልፅን ደርፊ ድሕሪ ምዝርግሑ ብስርዓት ኢትዮጵያን ደገፍቱን ከምዘይተፈተሉ ይግለፅ።

በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ብስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስኣበባ ዝነብር ትግራዋይ ብጅምላ እንትእሰር ስነ ጥበባዊ ዳዊት ነጋ ግዳይ ማእሰርትን ባንክ ኣካውንቱ ክሳብ ምእጋድን በፂሑ ከምዝነበረ ፍልፍላት ይገልፁ።

ኣብ ጉዳይ ሃንደበታዊ ሞት ሓውና ከያኒ ዳዊት ብዙሓት ሓበሬታታት ይወፁ ከምዘለውን ብኢደ ሰብ ህይወቱ ሲኢኑ ክኸውን ይኽእል ዝብሉ ግምታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሓት ክቀባበልዎ ተመልኪትና ኢና።

ስነ ጥበባዊ ዳዊት ኣብ ሃያሁለት ዝርከብ “ሆስፒታል ኣዲስ ህይወት” ስድራ ዳዊት ኣስከሬን ክውሰዱ እንትሓቶም ፣ ስድራ ከያኒ ዳዊት ግና ኣብ ኣማውትኡ እምነት ስለ ዝሰኣኑን ሓቃዊ ሓበሬታ ክረኽቡ ስለ ዘይክኣሉን ምርመራ ክግበር ሓቲቶም እዮም።

እንተኾነ ማዕኸን ዜና ቢቢሲ፡ዳዊት ነቲ ከም ሰዓል ኣቢሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመሮ ሕማም፡ ኣብ ገዛኡ ብምዃን ንምክልኻል ግሉኮስ ይወስድ ከምዝነበረን ምምሕያሽ ከርእይ ብዘይምኽኣሉ ናብ ሆስፒታል ኣዲስ ህይወት ከምዝኸደን ፀብፂቡ።

ኣብቲ ሆስፒታል “መጠን ሽኮሩ ከም ዝወሰኸ” ክንገሮ እንከሎ፥ “ሕማምካ ናብ ኒሞኒያ ተሰጋጊሩሎ” ዝብል’ውን ብሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝተነገሮ ሓቢሩ።

ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ፍሉጥ መንእሰይ ድምፃዊ ዳዊት ኣብ ኣስከሬኑ ተወሳኺ ምርመራ ድሕሪ ምክያዱ ሎሚ ናብ መንበሪ ገዝኡ ከምዝተመልሰ ተፈሊጡ ኣሎ።

ስነ-ጥበባዊ ዳዊት በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ውላድን ነይሩ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ስነ ጥበባዊ ዳዊት ነጋ ፈተውቱን ኣድነቕቱን ኣብ ዝተረኸቡሉ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስቲያን ካቴዴራል መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ከምዝካየድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ያበለ ሚድያ ንመላእ፣ ቤተሰብ፣ ኣፍቀርቲ ጥበቡን ንህዝቢ ትግራይን ጽንዓት ንምነ።