ኲናት ትግራይ ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ዘኽበረ ክኸውን ኣባላት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ፀዊዖም።

ቃልሲታት ትግራይ ብስትራቴጂካዊ ፖለቲካዊ ኣመተ ስለዘይተመርሐ እናወደቐ ተጋሩ ንተደጋጋሚ ኲናትን ስቓይን ከምዘቃለዐ ብምሕባር ሎሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ጀኖሳይድ ብድርድር ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ካብ ታሪኻዊ ዕንክሊል ተጋሩ ተሞክሮ ብምውሳድ ዘላቒ ረብሓ ትግራይ ከሕሉ ፀዊዖም።

ኣይተ ሓበን ፋንታይ ውፅኢት ሕሉፍ ቃልሲ “ትግራዋይ ብመንፅር ካሊእ ብሄር” ክረአ ብምግባሩ ህዝቢ ትግራይ ውፅኢት ቃልሱ ከይረኸበ ዕድመ ልክዑ ኣብ ቃልሲ ክነብር ከምዘገደዶ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደ ውድብ ክድረኽ ዝተገበረሉ ኣካይዳ ታሪኻዊ ጌጋ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ኣይተ ሓበን ህዝቢ ውድብን ሓደ ተጌሩ ብኣርባዕተ መኣዝን ተዓፅዮ ጀኖሳይድ ዝተፈረዶ ህዝቢ ትግራይ መፃኢ ዕድሉ ኣብ ልዕልና ሓሳብ ክድረኽ ክሰርሕ ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ተጋዳላይ ጠዓመ ሓጎስ ብወገኑ “ተጋሩ ብሄራዊ ረብሓና ብግልፂ ነፂርና” ብምባል ንዝተነፀረ ብሄራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝግበር ምንቅስቓስ ብምልካዕ ኣንፃር ረብሓ ትግራይ ዝተሰለፈ ኣካል ዝሕተተሉ መስርሕ ክተኣታቶ ጠሊቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ረብሓታት ዘለዎም ህዝብታት ተኣኪብካ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝተርኣየ ናብ ኩሉኣንፈታዊ ውጥጥ እምበር ናብ ተመሳሳሊ ሃገራዊ ዕላማ ምምፃእ ከምዘይከኣል ዝጠቐሰ ተጋዳላይ ጠዓመ ቃልሲ እዚ ወለዶ ካብ ሕሉፍ ክፍተታት ክመሃር ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

ንምስረታ ሃገረ ትግራይ ከምዝቃለስ ዝጠቐሰ ተጋዳላይ ጠዓመ ሓጎስ “እቲ መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝብል ሓፈሻዊ ሓሳብ ዝተፈላለየ ትርጉም ስለዝህብ እዋናዊ ቃልሲ ተጋሩ ቃልሲ ሃገርነት ከምዝኾነ ብግልፂ ክዝረብ ኣለዎ” ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ብኩሉ ዓቕሙ ተዋዲዱ እቲ ቃልሲ ኣብዚ ምዕራፍ ክበፅሕ ከምዘኽ ኣሎ ዝሓበረ ተጋዳላይ ጠዓመ “ኣነ እየ ተቓሊሰ በይነይ ከምዚ ክገብር እየ ከይኮነስ ኩሎም ዓቕምታት ኣኪብካ ንምዕዋት ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ምጥቃም” ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

ወሲኹ እውን ደጋዊ ወራራት ብቕልፅሙ ምብዳህ ዝኸኣለ ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ጭቆና ክመሓየሽ ክሰርሕ ከምዝግባእ ገሊፁ።

ዶ/ር ገብረፃድቕ በርሀ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓታት ብምምሕያሽ ንህንፀት ትካላት ዴሞክራሲ ብትሉም ኣካይዳ ክስረሐሉ ከምዝግባእ ጠቒሱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ፖለቲካዊ ምዕባለታት መበገሲኦም ትግራይ ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣይተ ኣፈወርቂ ሃይሉ ብወገኑ ንትግራይ ከም ውሑዳን ኣብ ዝርኢ መስርሕ ብምእታው ህዝቢ ትግራይ መበቆል ስልጡን ባህልን መንነታዊ ክብርን ኮይኑ ክንሱ መንነቱ ሓዲጉ ብኢትዮጵያዊ ባህሊ ክወሓጥ ክስራሕ ምፅንሑ ኣረዲኡ።

ትግራዋይ ካብ ስልጣን እንትወርድ ካብ ኢትዮጵያ ኲናት ከምዝስዕቦ ዝገለፀ ኣፈወርቂ ጅግንነት ተኳሳይነት ጥራሕ ከይኮነስ ንብሄራዊ ረብሓኻ ዝጠቅም ኣካይዳ ምኽታል እውን ስለዝሓውስ መንነታዊ ክብርታቱ ብዘላቕነት ንምውሓስ ምስረታ ሃገር ዘቐድም ፖለቲካዊ ምህዳር ክህሉ ከምዝግባእ ገሊፁ።

ኣይተ ዓንዶም ገብረስላሴ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ንምሕላው ውሽጣዊ ሕመቓት ምእራምን ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዴሞክራሲ ክለማመዳ ምስራሕን ከምዝጠልብ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለያ ሃገራት እንትጥቃዕ ፖለቲካ ትግራይ ዲፕሎማሲያዊ መሓዛ ዘይረኸበሉ ምኽንያት ብምፍታሽ ኣብ ረብሓ ዝተደረኸ ምሕዝነት ምፍጣር ከምዘድሊ ጠቒሱ።

ኣባል ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣይተ ነጋሲ ካልኣዩ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ይውስን ዝብል ሓሳብ ፖለቲከኛታት ዝንባለ ህዝቢ ናብቲ ውልቃዊ ድሌቶም ንምውሳድ ዝገብርዎ ሸፈጥ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ነቲ ዘላቒ ረብሕኡ ዘውሕሰሉ ምስረታ ሃገርነት ከምዝኾነ ኣቐዲሙ ነፂሩ እናሃለወ ንሪፈረንደም ንቃለስ ዝብል ኣበሃህላ ፖለቲከኛታት ኣንፈት እቲ ቃልሲ ከየስሕት ስግኣት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

“ሪፈረንደም ነቲ ዝዓለምካዮ ሸቶ መፈፀሚ ሜላ እምበር ባዕሉ ሸቶ ኣይኮነን” ዝበለ ነጋሲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኲናት ትግራይ ብድርድር ንምፍታሕ ዝግበር ምንቅስቓስ እውን ህዝቢ ትግራይ ዓርሱ ንምዃን ዘኽእሎ ምስረታ ሃገርነት ትግራይ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ከምዘይግባእ ተዛሪቡ።

“እቲ ተግባርካ ስለዝፈልጦስ እቲ ትዛረቦ ዘለኻ ኣይስመዐንን” ብዝብል ሓሳቡ ዝጀመረ ኣባል ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣይተ ግርማይ ገብረሚካኤል ዝኽየድ ዘሎ ስዳሮታት ሃገር ንምውናን ዝዓለመን ዘኽእልን ንምዃኑ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ትዕዝብትታት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህንፀት ዴሞክራሲ ብኸይዲ ዝምዕብል ከምዝኾነ ብምጥቃስ ጉዳይ ምስረታ ሃገርነት ንተጋሩ ካብ ዕንክሊል ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊን ቁጠባዊን ፅግዕተኝነት ብምንጋፍ ዓቕምታቱ ንባዕላዊ ረብሕኡ ከውዕል ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ተጋዳላይ ሃፍታይ ገብረመድህን ብወገኑ ትግራዋይ ብምኽንያት መንነቱ ሰላም ካብ ዝኸለአቶ ኢትዮጵያ ምንጋፍ ዘይከኣለ ቃልሲታት ስልጣን መርከቢ መንገዲታት ተጌሮም ፖለቲካዊ ውድቀት ስለዘጋጠመ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ብዘተ ንምፍታሕ ዝግበር ፖለቲካዊ መፍትሒ ምግሃድ ሃገርነትን ምውሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ኣብ ድርድር ክኣቱ ዘይግባእ ብመስዋእትነት መናእሰይ ትግራይ ዝተረኸበ ኣምር ተጋሩ ከምዝኾነ ሓቢሩ።