ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዓፋር ብግፍዒ ተዳጒኖም ዘለው ተጋሩ ንሂወቶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከምዘለው ኣፍሊጡ።

ካብ ሽኸት ብሓይሊ ብፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ተጨውዮም ናብ ሰመራ ዝተወሰዱ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ንሂወቶም ኣብ ዘስግእ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘለው ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ቢቢሲ ዘዘራረባ ዞባዊት ዳይሬከተር መርመራን ክትትልን ክልል ዓፋር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሰላማዊት ግርማይ ዕላዊ ዘይኰነ መርመራ እቲ ኮሚሽን ብምጥቃስ “እቶም ተዳጒኖም ዘለዉ ሰባት ‘ንህይወቶም ሓደገኛ ኩነታት እዮም ዝርኸብ ዝበለት እንትኸውን ውጽኢት እቲ መርመራ፡ ብብርኪ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ክረአ ንላዕሊ ተላኢኹ ከምዘሎ ድማ ሓቢራ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዚ ዓመት ዓይነ ስውራትን ሽማግለታትን ዝርኸብዎም ልዕሊ 15 ሽሕ ተጋሩ ብፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ካብ ሽኸት ናብ ሰመራ ብሓይሊ ተጨውዮም ከምዝተወሰዱ መሰካክር ዓይኒ ኣብ ከቢድ መሻቀሊ ኩነታትን ከባቢን ተዳጊኖም ከምዝርከንቡ እቶም ዓይኒ መሰኻክር ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ፍሉይ ሓይሊ ዓፈር እቶም ብ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ብሓይሊ ጨውዩ እንትወስድ “ምንም ንዘይፈልጥ ነባሪ፤ ራድዮ ነይሩካ፤ ምስ ህወሓት ርክብ ነይሩካ፡ ምሰኦም ትሰርሕ ነይርካ’ ብዝብል ክሲ ንብዙሓት ሰባት ቀቲሎሞም” እዮም ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰካክር ንቢቢሲ ዝተዛረቡ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ንብረትን ኣባይትን ተወሪሩ፤ ብዙሓት ተቐቲሎም፡ ሬሳኦም ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ተደርብዩ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እዞም ኣብ ዓፈር ተዳጊኖም ዝርኸቡ ተጋሩ ትካላት ሰብ ኣዊ ሓገዝ ከይረኽብዎም ተፈልዮም ዝተዳጎኑ እንትኸውን እኹል ሓገዝን መድሓኒት ከምዘይቀርበሎም ብተደጋጋሚ ማዕኸናት ሚድያ ዓለም ከቃልሓ ምጽንሐን ይፍለጥ።