ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣብ ቅድመ ኩነት መንግስቲ ትግራይ ትኹረት ገይሮም ክብል ከሲሱ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብ ትግራይ ምብፃሕ ዘካየዱ ፍሉያት ልኡኻት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሜሪካን ኣውሮፓን፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘቐመጦ ቅድመ ኩነት ትኹረት ገይሮም ኢሉ።

እቶም ልኡኻት ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ዝግበር ዘተ ሰላም ትኹረት ክንዲ ዝገብሩ ፡ መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ ዘተ ክትግበሩ ኣለዎም ኣብ ዝበሎም ጉዳያት ትኹረት ከምዝገበሩ ኣምባሳደር ሬድዋን ሓቢሩ።

እቶም ጉጅለ ልኡኻት ኣብ ጉዳይ ሰላማዊ ልዝብ ዝምልከት ፅዕንቶ ንምፍጣር ተሪር መርገፂ ኣይወሰዱን ኢሉ።

ብምዃኑ እውን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብዝምልከት ሕዚ እውን ፍቓደኝነቱ ከምዘለዎ ኾይኑ ንዝርርብ ዘኽእሉ ኹነታትን ሰላማዊ ዝመስል ዝርርብ መጀመርያ ኽጅመርን ከምዘለዎ ግን ኣይሓብአን።

ብምዃኑ እውን ጉዳይ ማሕበራዊ ግልጋሎት ትግራይ ሰላማዊ ልዝብ እንተይተጀመረ ከምዘይልቀቕን እቶም ልኡኻት ዝሃብዎ መግለፂ ከምዘይተቐበሎን ናይ ሓደ ወገን ድሌት ዘማልአ ከምዝኾነ ከሲሱ።

ብተወሳኺ ነቲ ዘተ ሰላም ብሕብረት ኣፍሪቃ ጥራሕን ጥራሕን ከምዝምእዘን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዘለዎ መትከል ከምዘይቕየር ሓቢሩ።

መንግስቲ ትግራይ፡ ናብ ትግራይ ንዝገሹ ልኡኻት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ምጅማር ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዝን ነዳድን፣ ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ቅድሚያ ክትግበሩ ከምዝግባእ ምግላፁ ይዝከር።

ከምኡ እውን ዘተ ሰላም ብሕብረት ኣፍሪቃ እንተተማእኸለ ፀገም ከምዘይብሉን ብቐንዱ ብፕረዚዳንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ እንተዝኸውን ምባሉ ይዝከር።