መድረኽ ዘተ ‘ሓራ ሓሳባት’ ኣብ መቐለ ከይካየድ ተኸልኪሉ

“ፖለቲካ ቁመና ትግራይ ኣብ መድረኽ ስግግር፡ ጸገማትን መፍትሕታቱን” ብዝብል ርእሲ ብ ‘ሓራ ሓሳባት’ ኢቨንትስ ተዳልዩ  ኣብ ከተማ መቐለ ንሎሚ ሓሙስ 25 ጥሪ 2015 ዓ/ም ክኻይድ ፃውዒት ተገይሩ እኳ እንተነበረ ብፖሊስ ከተማ መቐለ ከም ዝተኣገደ እቶም ኣተሓበበርቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገሊፆም።

እቲ መድረክ ሎሚ ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መቐለ ተወከልቲ ውድባት ፖለቲካ፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ምሁራት፣ ሰብ ውልቀ ሃብቲ፣ ማሕበርሰብ ንግዲ ካልኦትን ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ኣደራሽ ‘’2000 ሓበሻ ሬስቶራንት”  ክኻየድ ተሓሲቡ ዝነበረ እንትኸውን ኣዳላውቲ እቲ መድረኽ ድማ ኣቀዲሞም ብዕለት 23/05/2015 ዓ.ም ንፖሊስ ዞባ መቐለ ብዛዕባ እቲ መድረክ ብደብዳበ ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ሓቢሮም። ካብዚ ብተወስኪ ብተመሳሳሊ ዕለት ነዚ ጉዳይ ብቐጥታ ይምልከቶ እዩ ንዝተበሃለ ንምምሕዳር ዞባ መቐለ እውን ደብዳበ ኣብፂሖም ከምዝመፁ ይሕብሩ።

እንተኾነ ሎሚ ልክዕ ስዓት 5:50 ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ትግራይ እቲ መድረክ ናብ ዝተዳለወሉ ኣዳራሽ ደዊሎም “ምምሕዳር ዞባ መቐለ ዘይፈልጦ ኣኬባ ኢኹም ተካይዱ ዘለኹም፣ ምምሕዳር ዘይፈልጦ  ኣኼባ ድማ ሓላፍነት ኣይንወስድን ወይ ኣይንፈቅድን” ዝብል ምኽንያት ብምቕራብ እቲ ዋዕላ ከይሳለጥ ጌይሮም እዮም።

ድሕሪ እዚ ኣዳለውቲ እቲ መድረኽ ናብ ከንቲባ ከተማ መቐለ ደዊሎም ደብዳበ ናብ ቢሮ ፀጥታ ከምዘእተዉ ንዓኣቶም እውን ወረቐት ዕድመ ከም ዝልኣኹሎም እንትነግርዎም ‘’ነቲ ዕደመ ወረቐት ኣየንበብክዎን’’ ከምዝበልዎ ካብቶም ኣዳለዉቲ ሓደ ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ኣረጋዊ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ዕላዊ ገይሩ እዩ።

ኣብ ትግራይ መሰል ምእኻብ ብተደጋጋሚ ብሓይልታት ፀጥታ ‘መንግስቲ’ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ዝክልከሉ እንትኾኑ ዝቀርብ ምክንያት ድማ ‘’ፍቓድ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ኣይረኸብኩምን’’ ዝብል እዩ። እንተኾነ መሰል ምእኻብን ሓሳብ ምግላፅን ሕገ መንግስታዊ መሰላት ዜጋታት እትኾኑ ንዝምልከቶ ኣካል ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ወፃኢ ብሰለማዊ መገዲ ክሳብ ዝተገብሩ ዘይጠልቡ መሰላት እዮም።

 ሓራ ሓሳባት ኢቨንቲስ እዚ መድረክ ንካልኣይ ግዜ ዘዳለወ እንትኸውን፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ላዕለዎት ወታደራዊ ሓለፍትን ካልኦትን  ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሳሳሊ መድረክ ኣሳሊጡ ምንባሩ ይዝኸር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ህልው ኩነታት ትግራይን መፍትሕታቱን ብዝብል ህዝባዊ ዋዕላ ከካይድ ንሚያዝያ 22/2014 ዓ.ም መደብ ሒዙ ዝነበረ እንትኸውን፣ ንኮማንድ ፖስት ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ እናሃለወ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ነቲ ኣኼባ ከይካየድ ከምዝገበሩ ይዝከር።