ግዚያዊ መንግስቲ ብህፁፅ ክምስረት ዓለምለኸ ሕብረት ተጋሩ ፀዊዑ

ዓለምለኸ ሕብረት ተጋሩ ህወሓት ብህፁፅ ግዚያዊ መንግስቲ ክምስረት ክትሓባበር ከምዘለዎ ሎሚ ኣብ ዘቕረብዎ ፃውዒት ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ሕብረት ንብሄራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን ንሚዲያታትን ካልኦት ዕዱማትን ኣብ ዝገበርዎ ገለፃ ህወሓት ንኹሉ ዝሓቖፈ ግዚያዊ መንግስቲ ብህፁፅ ንኽምስረት ዘይተሓባበር እንተኾይኑ፣ ፌደራል መንግስቲ በጀት ከምዘይለቅቕ፣ ምዕራብ ትግራይ ከምዘይምልስ፣ ፖለቲካዊ እሱራት ከምዘይፈትሕ፣ ንውድብ ህወሓት እውን ካብ መዝገብ ራዕዲ ከምዘይስረዝን ብግልፂ ኣቐሚጡ ብውሽጢ ንመሪሕነት ትግራይ ከምዝገለፀሎም ከም ዝሰምዑ ገሊፆም።

እቲ መግለፂ ቅዋም ምስ ተነበበ ውድባት ፖለቲካ ካብ ዝወከሉ ሪኢቶ ቀሪቡን፣ ሕቶታት ድማ ካብ ጋዜጠኛታት ቀሪቡን እዩ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ቅዋም ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

——————————————

መግለፂ ቅዋም ዓለምለኸ ሕብረት ተጋሩ ኣብ ምስረታ ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ምፅናት ክፍፅሙሉ ንዝመፁ ወረርቲ ንምምካት ናብ ኲናት ተገዲዱ ከምዝኣተወ ይፍለጥ። እዙይ ወራር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ናይ ህይወት፣ ኣካላዊን ስነልቦናዊን ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ። ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ህይወት ጠፊኡ እዩ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀር ሰብ ኣካሉ ጎዲሉ እዩ፣ ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ዝቑፀራ ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚፀን እየን፣ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ዝኸውን ትግራዋይ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዓለም ዘስደመመ መስተንክራዊ ቃልሲ ክገብር ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዝተገበረ ጎንፂ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ናብ ሰላማዊ ናብራ ናይ ምምላስ ተስፋ ሰኒቑ ብሃንቀውታ ይፅበይ ኣሎ። ኮይኑ ግና ክልቲኦም ፈረምቲ ኣካላት ነቲ ዝፈረምዎ ውዕሊ ብግቡእ ንምፍፃም ድልየት ስለዘየርኣዩ ሎሚውን ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ይሳቐይ ኣሎ። እቲ ብፀላኢ ዘይተወረረ ክፋል ህዝብናውን እቲ ቃል ዝተኣተወሉ መሰረታዊ ቀረባትን ሰብኣዊ ረድኤትን ብግቡእ ክረክብ ኣይከኣለን።

ስለዝኾነ ዓለምለኸ ሕብረት ተጋሩ ካብዚ ንታሕቲ ብዝተዘርዘሩ ምኽኒያታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብህፁፅ ስልጣኑ ንግዜያዊ መንግስቲ ከረክብ ንፅውዕ

  1. መሪሕነት ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ድሕንነት ህዝቢ ናይ ምሕላውን ንትግራይ ብግቡእ ናይ ምምራሕን ግዴትኡ ክዋፃእ ስለዘይኻኣለን ነዚ ንምትግባር ዘኽእል ዓቕሚን ክእለትን ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ብተግባር ዝለዝተረጋገፀን
  2. ኣብ ጥቅምቲ 2015ዓ.ም. ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተካየደ ውዕሊ ጠጠው ምባል ጎንፂ ባዕሉ መሪሕነት ህወሓት እቲ መንግስቲ ዘጣየሸሉ ኣብ 2013ዓ.ም ዝተካየደ መረፃ ሕጋዊ ከምዘይኮነን ስካብ ሕጋዊ መረፃ ዝካየድውን ትግራይ ብግዜያዊ መንግስቲ ክትመሓዳደር ስለዝፈረመ
  3. ህወሓት በቲ ዝፈረሞ ውዕሊ መሰረት ስልጣኑ ናብ  ግዜያዊ መንግስቲ ንዘይምሃብ ዝገብሮ ዘሎ ምድሕርሓር ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ይጎድእ ስለዘሎን በቲ ውዕሊ መሰረት ናብ ልሙድ ናብራ ናይ ምምላስ ድልየቱውን ዝኾልፍ ስለዝኾነን
  4. ህዝቢ ትግራይ እቲ ኲናት ካብ ዘብፅሐሉ ጉድኣት ክሓውይ ዘኽእል ኣብ ሕውየትን፣ መሊስካ ምህናፅን ኣድሂቡ ዝሰርሕ መንግስቲ ስለዘድልይ። ዝዓነወ ቤትና ዝሃንፅ፣ ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝመልስ፣ ክሊኒካት መሊሱ ናብ ስራሕ ዘእትው፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ዝመልስ፣ ዝተጎድአ ስነልቦናና ዘሕውይ ዘይሻራዊ መንግስቲ ስለዘድልየና

በዚአን ምኽኒያታት ህወሓት ብዘይ ወዓል ሕደር ስልጣኑ ናብ ዘይሻራዊ ግዜያዊ መንግስቲ ከርክብ ንፅውዕ። እቲ ግዜያዊ መንግስቲ ብዘይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ፀብለልታ ዘይሻራዊ ኾይኑ ክጣይሽ ንፅውዕ። ነቲ መንግስቲ ንምጥያሽውን ግልፅነት ዘለዎ ንኹሎም ፖለቲካዊን ዘይፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣካላት ማሕበረሰብን ዘሳተፈ ጉባኤ ክካየድ ነቲ ጉባኤውን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ናፃ ዝኾኑ ትካላትን ውልቀሰባትን ክመርሕዎ ንፅውዕ። ምስ ኣሓት ውዳበታት ኮይንና ነዚ ጉባኤ ንምድላው ዘለና ድሌትን ድሉውነትን ክንገልፅ ንፎቱ።

ኣብ መላእ ዓለም ትርከብ ህዝብና በቲ ውዕሊ መሰረት ህወሓት ብዘይ ወዓል ሕደር ስልጣኑ ንግዜያዊ መንግስቲ ከረክብ ኣብንገብሮ ፀቕጢ ምሳና ክትስለፍ ንፅውዕ።  ኣብ ትግራይ ትርከብ ህዝብና እቲ ትደልዮ ናይ ሰላም መንገዲ ከምቲ ስካብ ሎሚ በቲ ኣሚንካ ስልጣን ዝሃብካዮ መሪሕነት ህወሓት እናተኾለፈ እንተቐፂሉ ምስ ኣብ ትግራይ ዘለው ውዳበታት ብምትሕብባር ኣብንገብሮም ሰላማዊ ሰልፊን ካልኦት ሰላማዊ ናይ ፀቕጢ ምንቅስቃሳትን ንክትሳተፍ ድሉው ክትኸውን ንፅውዕ።”