ፃውዒት ዓለምለኻዊ ዋዕላ ምሕዝነት ፍትሕን ሰላምን- ጀርመን

ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን የሕዋት ህዝቢ ክነሶም ብፖለቲካዊ ሽርሒታት ውሽጣውያንን ባዕዳውያን መጋበርያ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ኮይኖም ኣብ ክልተ ሃገራት ተፈለዮም ብዝተፈላለየ ስልቲ ንሕድሕዶም፣ ከምዘይላዘቡ ከምዘይ ፋለጡ ሓበራዊ ባህሊ፣ ታሪኽ ይኹን ዝምድና ከምዘይብሎም ተገይሮም። ሓድሽ ታሪኽ ተሰሪሑ ፍጹም ክራሓሓቑን ክጻልኡን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ነንባዕሎም ክቃተሉን ተጌሩን ይግበርን ኣሎ። እዞም ኣብ ክልተ ሃገራት ዝርከቡ ሓደ ህዝቢ ህላዌኦምን ቀጻልነቶምን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። እዞም ፋሽስታውያን ተዓቒቦምሉ ዘለው ገዚፍ መንደቕ ጽልኢ ፈሪሱ ድልድል ሰላምን ልምዓትን ክህነፅ ንሰርሕ ኣለና።

በዚ መሰረት መቐጸልታ እቲ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዝተገብረ ዋዕላ ምሕዝነት ፍትሕን ሰላምን፣ ኣብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ካብ ዕለት 21 ክሳብ 23 ሓምለ 2023 ዓ.ም.ፈ ተመሳሳሊ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ክካየድ እዩ። ዕላማ እዚ ዋዕላ መንደቕ ጽልኢ ኣፍሪስካ፣ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ሓደ መድረኽ ክራኸቡን ሕውነቶም ከስተማቕሩን፣ ምእንቲ ብሩህ መጻኢኦም ሓቢሮም ክዝትዩን ንምኽኣል እዩ። ኣብዚ ዋዕላ እዚ ካብ ትግራይን ኤርትራን ስሙያት ስነ-ጥበባውያን ዝሳተፉሉ ዓብይ ባህላዊ ምዝንጋዕ ተዳልዩ ኣሎ።

ኣታዊ ናይቲ ዋዕላ ነቶም ብሰንኪ ኣጽናቲ ኲናት ዝዘኽተሙ ህጻናት ሓገዝ ዝውዕል እዩ። እዚ ዋዕላ ብምትሕብባር ልዕሊ 16 ማሕበራት ትግራይን ኤርትራን ዝዳሎ ዘሎ እዩ። ኣብ ዙሪያ እዚ ጉዳይ ሰፊሕ መብርሂ ንምሃብ ንዕለት 19/03/2023 ሰዓት 1400 EST ወይ 18:00 GMT ጋዜጣዊ ዋዕላ ክካየድ ስለ ዝኾነ ሰብ ሞያ ሚዲያ ኣብቲ እዋን ተራኺብኩም ሓሳባትና ክተባፅሑ ብኣክብሮት ንዕድምን ንላቦን ።

ኣዳላዊት ኮሚቴ ዋዕላ ጉዕዞ ምሕዝነት ፍትሕን ሰላምን