ቁልቁለታዊ መንገዲ ትግራይ ጠጠው ክብል፣ ‘በሓታይነት ህወሓት ከብቅዕ ኣለዎ’ ክብላ ውድባት ውናትን ሳወትን ገሊፀን

ውድባት ሳወትን ውናትን ሎሚ መጋቢት 10 ፣ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘውፅእኦ ሓበራዊ መግለፂ ”ከይዲ ውድቀት ትግራይ ጠጠው ክብልን ትግራይ ጉዕዞ ሕውየት ክትጅምርን እንተኾይና እዚ ናይ ህወሓት በሓታይነት ንከብቅዕን ልዕልና ብሔራዊ ሓሳብን ሓይልን ንክረጋገፅን ክቃለስ ፃውዒትና ነቕርብ” ክብላ ንህዝቢ ትግራይ ፃውዒተን ኣቕሪበን፡፡ እቲ ኸይዲ ሓቋፋይን ኣሳታፋይን እንተዘይኮይኑ እከለ ተመረፀ እገለ እቲ ግዚያዊ ምሕደራ ዝረብሕ ውፅኢት ዘመፅእ ክኸውን ከምዘይኽእል እምነቶም ገሊፆም። ሙሉእ ትሕዝቶ ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

______________________________

እዋናዊ ሓበራዊ መግለፂ

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ: መሪሕነት ህወሓት ነቲ ብዙሕ ዝንየተሉ ዝነበረ ዝተመረፀ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሪሱ ኣብ ክንድኡ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ እናዘተየ ግዝያዊ ምምሕድዳር ትግራይ ክተክል ተሰማሚዑ እዩ፡፡ ኣብዚ ውዕሊ እዚ እቲ ዝቐውም ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሳታፊ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ተፃሒፉ ይርከብ፡፡ መሪሕነት ህወሓት ግና እቲ ወትሩ ንትግራይ ናይ ብሕቱ ንብረት ገይሩ ዝርድአሉ ኣገባብ ተኸቲሉ ንዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምትካል ባዕሉ ምስ ባዕሉ ጥራሕ እናተጨቓጨቐ ንልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ፀኒሑ ሐዚ ንቲ ግዚያዊ ምምሕድዳር መራሒ ዝኸውን ሰብ ከምዝመዘዘ ንሰምዕ ኣለና፡፡

ህዝቢ ትግራይ እዚ ግዝያዊ ምምሕድዳር ብቕለጡፍ ተጣይሹ እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ መከራን ስቓይን ዝፀንሐሉ እዋን ክሓፅር እናተማህለለ እናሃለወ: መሪሕነት ህወሓት ግና እዚ ንምግባር ልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ምውሳዱ ንዕኡ ዘገድሶ ናይ ህዝብና ስቓይ እንተይኮነስ ስልጣኑን ስልጣኑን ጥራሕ ምዃኑ ዘርኢ ካሊእ መርትዖ እዩ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንሕና ብሔራውያን ውድባት: እዚ ግዝያዊ ምምሕድዳር ትግራይና ካብቲ ኣትያቶ ዘላ መሃሙቕ ክትወፅእ ንምግባር ዝኽእል ክንዲ ዝክኣል ንኹሉ ትግራዋይ ብዝውክልን ብዘሳትፍን ኣገባብ እንትቐውም እዩ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ሒዝና እቲ ከይዲ ምጥያሽ ዴሞክራሲያዊ ንምግባር እናተቓለስና ፀኒሒናን: ኣለናን፡፡ ኮይኑ ግና መሪሕነት ህወሓት ብቲ ናይ ወትሩ በሓታይ ኣካይድኡ ክኸይድ እዩ ወሲኑ:፡ ሎሚ እውን ብኹሉ መልክዓቱ ህወሓት ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕድዳር ክተክል ኣብ ጫፍ በፂሑ ኣሎ፡፡

እዚ ብህወሓት ዝተዓብለለ ኣካይዳ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ውድቀት ናብ ውድቀት እንተብፅሖ እምበር ካሊእ እንተምፅአሉ ኣይርኣናን፡፡ በዚ ኣካይዳ ድማ እዚ ግዝያዊ ምምሕድዳር እውን ገና ከይተወልደ ዝበርዓነ ምምሕድዳር እዩ ክኸውን፡፡ እዚ ስለዝኾነ ድማ ግዝያዊ ምምሕድዳር ኣይተ እከለ ይምርሕዎ ወይዘሮ እከለ ብዘየገድሽ ንህዝቢ ትግራይ ከምፅኦ ዝኽእል ኣወንታ ኣይክህሉን፡፡ ስለዚ ህዝብና ነዚ ተረዲኡ ከይዲ ውድቀት ትግራይ ጠጠው ክብልን ትግራይ ጉዕዞ ሕውየት ክትጅምርን እንተኾይና እዚ ናይ ህወሓት በሓታይነት ንከብቅዕን ልዕልና ብሔራዊ ሓሳብን ሓይልን ንክረጋገፅን ክቃለስ ፃውዒትና ነቕርብ፡፡

10 መጋቢት 2015

መቐለ፣ ትግራይ