ዘይተቛረፀ ገበን ጆኖሳይድ ይፍፀም ከምዘሎን፣ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነቱ ከም ዘይተዋፅአን ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዝሓሸ ኣንፈት ጉዕዞ ዘተ ሰላም ኣብ ዝጀመርናሉን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምጥያሽ ኣብ ንረባረበሉን ግዘ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝፍፀመ ዘሎ በደልን ህወኻን ምዝራግ ጉዕዞ ሰላም ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ጠጠው ከብሎ ንፅውዕ ይብል። ብተወሳኺ እውን ኣብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘየቋረፀ ገበን ጀኖሳይድ ይፍፀም ከም ዘሎ ብምሕባር ፌደራል መንግስቲ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክሕሉ ኣይክኣለን ብምባል ይኸስስ። ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ስዒቡ ቀሪቡ ኣሎ።

___________________________________

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

ህዝብን መንግስትን ትግራይ “ስርዓት ይከበር፣ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝብታት ክጥሓስ የብሉን” ዝብል ህዝባዊ እምነትን መትከልን ብምሓዞም ጥራሕ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊኦም ማእለያ ዘይብሎም በደላትን ግፍዕታትን እናበፅሖም መፂኡ እዩ። ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሐ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ሓሳረ መከራ ንምምካት እውን ብዝገርም ፅንዓትን መስተንክራዊ ጅግንነትን እናተረባረቡ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ናብ መስርሕ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣትዮም ይርከቡ።

ህዝቢ ትግራይ ሕቶታቱ ብሰላማዊ መንገዲ ንምምላስ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ ምእንተ ሰላም ኢሉ ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ እናኸፈለ እዩ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ ዋላ እኳ ሕዚ እውን ሕገ መንግስታዊ መሰልን ነፃነትን ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ንምምላስ ብዙሕ ክሰርሕ ዝግብኦ እንተኾነ በብእዋኑ ተስፋ ዝህቡ ምምሕያሻት እናርኣየ ምምፅኡ ግን ቀፃሊ ጉዕዞ ሰላም ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክሰግር ከም ዝኽእልን ከምዝግባእን ምልክት እናሃበ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ከይዲ ዘተ ሰላም ናብ ዝሓሸ ኣንፈት ጉዕዞ ኣብ ዝጀመረሉን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ምምስራት ምንቅስቓስ ኣብ እነሳልጠሉን እዋን ኣብ ከባብታት ደቡብ ትግራይ ዝካየዱ ዘለዉ ሰላማዊ ህዝቢ ናይ ምህዋኽን ዘይዛሪ በደል ናይ ምፍፃም ተግባራትን ጉዕዞ ሰላም ናይ ምዝራግ ተግባር ዝኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ጠጠው ንከብሎ ህዝቢ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ። ናይዚ ሕመቕ መግለፂ ድማ ትማሊ 10 መጋቢት 2015 ዓ.ም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ካብ ወረዳታት ጉባ- ላፍቶ፣ ወልድያን ራያ ቆቦን ብዙሕ ህዝቢ ብምጉዕዓዝ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተቐባልነት ዘይብሉ ሰልፊ ተኻይዱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት እውን ዘሕዝን በደል ክፍፀም ክኢሉ እዩ። ኣብ ከባቢታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ እውን ካብ ፈለማ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘየቋረፀ ገበን ጀኖሳይድ እናተፈፀመ መፂኡን ኣሎን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ክዋፃእን ብምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባታት ምዕራብ፣ ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን በደል ጠጠው ከብልን ይግባእ። እዚ ንምግባር ድማ ዕጡቓት ኣምሓራ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ንክወፅኡ ብቆራፅነት ክሰርሕ ይግባእ።

ሕብረት ኣፍሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ብተመሳሳሊ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናፈፀምዎ ዝመፀን ዘሎን ገበን ጠጠው ከብሉ ዘኽእል ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ንክወስዱ ፃውዒትና ነቕርብ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
11 መጋቢት 2015 ዓ.ም
መቐለ