“ወያነ ምግቢ”፡ ጉዳይ ብዝሕን ምፍራይ እቶትን ከመይ ይርአ?

ፀጋዝኣብ ሽሻይ

እንታይነት “ወያነ ምግቢ”

ኣብ ትግራይ ምግቢን ስርዓተ-ኣመጋግባን ከም ዓብይ ቅውም-ነገር ኣይረኣይን ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ከም ባህሊ ኣብ ምግቢ ዘለና ኣረኣእያ ዝተዛብዐ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ካብ ምግቢ ዝዕቀብ (ንእሽተይ ዝበልዕ) ሰብ ዝንእድ፣ ብኣንፃሩ ሽውሃቱ ተኸፊትሉ ንዝበልዕ ሰብ ከኣ ሃንጎሪማ፣ ውሒጥ፣ ገባቲ፣ ሓሰማ፣ ከም ኣድጊ ሕምብርቲ ዘየብሉ፣ ወዘተ ብ ዝብል ዘቆናፅብ ባህሊ ይዛይድ።

ሓደ ሰብ ከብዱ ንምዕንጋል መጠንን ትሕዝቶን ዝበልዖ ምግቢ እንከየጨነቖ በብዕለቱ ዝረኸቦ ደኣ ይምገብ እምበር፣ ስርዓተ-ኣመጋግብኡ ኣብ ዕብየትን ጥዕናን ኣእምሮኡን ኣካላቱን፣ ብሓፈሻ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቱን መፍረያይነቱን መሰረታዊ ፅልዋ ከሕድር ዝኽእል ዓብይ ጉዳይ ገይሩ ኣይወስዶን።

ስለዝዀነ እውን ካብቲ ዝበልዖ ምግቢ ብመዓልታዊ ብማእኸላይ ክረኽቦም ዝግብኦ መጠን ፕሮቲን፣ ካርቦሃይድሬት፣ ስብሒ፣ ቫይታሚናት፣ ማዕድናትን ማይን ኣይግደሰሉን። ንሱ ጥራሕ እውን ኣይኰነን፣ ህፃናት እንታይን ከመይን ክምገቡ ከም ዝግበኦም ብንፁር ኣይይፍለጥን። ከም ውፅኢቱ ድማ ትግራይ ካብቶም ዝዓበየ ቑፅሪ ዝደኽደኹ ህፃናት ዘለወን ዓድዲታት ሓንቲ እያ። ስርዓተ ኣመጋግባና ድሑር ዝዀነሉ ምኽንያት ካብ ስእነት ወይ ድኽነት ጥራሕ ዝብገስ ኣይኰነን፣ ካብ መሰረታዊ ሕፅረት ርድኢት እውን እምበር። ምኽንያቱ እቲ ደሓን ርኹብ ወይ ሃፍታም ዝበሃል ትግራዋይ እውን ስርዓተ-ኣመጋግባኡ ዘበናዊ ወይ ሳይንሳዊ ዝብሃል ኣይኰነን።

ብሓፈሻ ናይ ሓደ ዓድዲ ስርዓተ-ኣመጋግባ እንትዝምን ከመይ ዝበለ ዓብይን ኩለ-መደያዊን ማሕበረሰባዊ ዕብየት ከም ዘምፅእ ካብ ናይ እኒ ጃፓንን ቻይናን ታሪኽ ክንመሃር ንኽእል እይና። ኣብ ዓድና እውን ስርዓተ-ኣመጋግባና ሳይንሳዊ ብምግባር፣ ድኽዳኸ ህፃናት ምቕናስን ጥዕንኡ ዝተሓለወን መፍረያይን ማሕበረሰብ ምህናፅን ስለ ዝከኣል፣ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ኩለ-መዳያዊ ለውጢ ንምምፃእ “ወያነ-ምግቢ (መሰረታዊ ለውጢ ስርዓተ-ኣመጋግባ)” ዘይትካእ ግደ ከም ዘለዎ እኣምን።

እዙይ እንካብ በልኩ፣ “ወያነ-ምግቢ እንታይ እንታይ ቐንዲ ዕላማታት ኣለውዎ፣ ብኸመይ ከ ክነካይዶ ንኽእል?” ዝብል ስፍሕ ዝበለ ኣርእስቲ ካልእ ግዘ ክምለሶ እየ፣ እንተ ንሎሚ ግን “ወያነ-ምግቢ ንሓደ ከም ምግብነት እንጥቀመሉ ነገር ብመነፅር ብዝሕን መፍረያይነትን (abundance and productivity) ከመይ ይርአ?” ኣብ እትብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብገለ ኣሕዋት ዝተላዕለት ውስንቲ ዛዕባ ሓሳበይ ንምግላፅ ክፍትን እየ። 

እዛ ዛዕባ ምስ “ኣንበጣ፣ ተመን፣ ወይ ኣድጊን ፈረስን እንተተበልዑ እንታይ ፀገም ኣለዎ?” ምስ ዝብል መሟጐቲ ኰይኑ ዝነበረ ዛዕባ ተተሓሒዛ እያ ተላዒላ። ግን ንኹሉ ዓይነት ፍርያትና እትምልከት እያ። ንኣብነት፦ ኣብ መንጎ ጣፍን ስርናይን ዘሎ ኣፈላላይ ክትፀልዎ ትኽእል። ግን ቅድሚ ብቐጥታ ናብዚ ርእሲ ምእታውናን፣ ብተለምዶ እንምገቦም ምግብታት በዚ መነፅር እዙይ ምርኣይናን፣ ቁሩብ ኣዕሙቕ ኣቢልና ድሕረ-ባይታ እዚ ጉዳይ ንርአ።

ሕፅረት ሓደ ፍርያት እኽሊ ብመሰረቱ ካብ ምንታይ ይብገስ?

“ናይ መበል ዒስራ ክፍለ ዘበን እቲ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝበሃል ቴክኒካዊ ምህዞ እንታይ እዩ?” 

እቲ ዓለም-ለኻዊ ውሩይ ሳይንሳውን ፀሓፊን Vaclav Smil እዩ ኣብ “Enriching the Earth: …” ብ ዝብል ብ 2001 ኣ.ም.ፈ ኣብ ዘሐተሞ መፅሓፉ ነዙይ ሕቶ እዙይ ዝሓትት። ባዕሉ እንትምልሶ ድማ፣ “እቲ ዝተለምደ መልሲ ኣውሮፕላን፣ ቴሌቪዥን፣ ኮምፕዩተር፣ ኒክሌር ኤነርጂ፣ ናብ ህዋ ምጉዓዝ፣ ወዘተ ዝብሉ እዮም። ግን ካብዚኣቶም ዋላ ሓደ ምህዞ እኳ ክንዲ’ቲ [ካብ ባእታታት ናይትሮጂንን ሃይድሮጂንን] ብደረጃ ኢንዱስትሪ ኣሞንያ (NH3) ክንፅምር ምኽኣልና (industrial synthesis of amonia) ብመሰረታዊ ረብሓ ዝወዳደሮ የለን” ይብል። ዝያዳ እንተብራህርሆ ከዓ፣ ህይወት ሽዱሽተ ቢልዮን ህዝቢ-ዓለም ብዘይ ኮምፕዩተር፣ ኒኩሌር ኤነርጂን ካልኦት ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎምን ክቕፅል ከም ዝኽእልን፣ ብዘይ ኣሞንያ ግን እቲ ብ 1900 ኣ.ም.ፈ 1.6 ቢልዮን ዝነበረ ህዝቢ ዓለም ናብ ናይ ሎሚ (ከባቢ 2000 ኣ.ም.ፈ) 6 ቢልዮን ክዓቢ ዘይሕሰብ ምዃኑን የረድእ።

ምህርቲ ኣሞንያን ዕብየት በዝሒ ህዝቢ ዓለምን ከመይ ተራኺቡ?

ብሓፂሩ፦ ኩሎም ህይወት ዘለዎም ነገራት (እንኰላይ እቶም እንምገቦም ኣዝርእቲ፣ ጥራምረን ፍራምረን) ፕሮቲንን ካልኦት ንህልውናኦምን ዕብየቶምን ጠቐምቲ ዝኾኑ ኬሚካላትን ንምስራሕ ናይትሮጂን ስለ ዘድልዮም፣ ቀረብ ናይትሮጂን ከዓ ሕፅረት ከም ዘሎ፣ ኣብዚ ከባቢ-ኣየር እውን ብዝሃረሰ ሞለኩዩል መልክዕ ዝርከብ እምበር ሂወታውያን ክጥቀምዎ ብዝኽእሉ ብመልክዕ ውሁድ ዘየለ ምዃኑን እዩ።

ኣሞንያ እምበኣር ነዙይ መሰረታዊ ድሌትን ሕቶን ሂወታውያን እዙይ እዩ ዝምልስ! ብዓለም ደረጃ ከዓ 80 ሚኢታዊ ዝዀን ሓፈሻዊ ፍርያት ወይ እቶት እኽሊ ኣሞንያ ኣብ ምፍራይ ኣርቴፊሻል ድኹዒ (fertilizer) እዩ ዝውዕል። ከም መፅናዕቲ እዚ ሳይንሳዊ እንተዀይኑ፣ “ብዘይ ኣሞንያ 40 ሚኢታዊ ዝዀን ህዝቢ ዓለም ሕጂ ኣይምሃለወን፣ በዝሒ ህዝቢ ዓለምና ካብቲ ዘለዎ ናብ 9ን 10ን ቢልዮን እናደየበ እንትኸድ እውን፣ ኣብ ኣሞንያ ምምርኳስና እናገደደ እምበር እናቐነሰ ኣይኰነን ዝኸይድ” ይብል።

ከም መደምደምታ፦ ናይትሮጂን ኣብ ናይ ሓደ ዓዲ ሕርሻን ከይዲ መፍረያይነትን ዘይትካእ ግደ ከም ዝፃወት ምርዳእ ይክኣል። ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ቻይና ካብ 30 ሚልዮን ህዝባ ዘህለቐ ጥምየት ወፂኣን ብምግቢ ዓርሳ ክኢላን ዝማዕበለትሉ እቲ ሓደ ቀንዲ ምኽንያት ፍርያት ሕርሻ ንምስሳን ሰብ-ሰራሕ ድኹዒ ብሰፊሑ ስለ ዝተጠቐመት እዩ። ተመሳሳሊ በዝሒ ህዝቢ እትውንን ህንዲ እውን ከምኡ።  ስለዚ እዚ ተመራማሪ እንታይ ከም ዝብል ዘሎ ንምርዳእ ኣየፀግምን።

ሰብ-ሰራሕ ድዂዒ ንምንታይ ኣድለየ?

ድኽዳኸ ኣካልን ኣእምሮን፡ ውፅኢት ሕፅረት ፕሮቲን ምዃኑ ተረጋጊፁ ዝሓደረ እዩ። ሓደ ሰብ ን ኣካላዊ-ወ-ኣእምራዊ ዕብየት ኰነ ሓፈሻዊ ፅገና ሰውነቱ ዘገልግልዎ ፕሮቲናት ንምቕማር ዝጠቕሙ ዓሰርተ ዝዀኑ ኣሚኖ-ኣሲዳት ክወስድ ኣለዎ። ካብቶም ዓሰርተ እቶም ትሽዓተ ዝዀኑ ኣሚኖ-ኣሲዳት ከዓ ብቐጥታ ካብቶም ብሕርሻ ኣፍሪና እንምገቦም እኽሊን ጥራምረን፣ ብተዘዋዋሪ ከዓ ካብ ስጋ እንስሳታት ዝርከቡ እዮም።

እቲ ዋና ፀገም ግን፣ ከምቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ፣ ንዕብየት እዞም እኽሊ፣ ጥራምረን እንሰሳን ኣዝዩ ወሳኒ ዝዀነ ናይትሮጂን ብዘይካ ካብቲ ብተፈጥራዊ መንገዲ ብመብረቕ (lightning) ካብ ሞሎኲል (N2) ናብ ባእታ ተፈንፂሑን ምስ ካልኦት ተዋሂዱን ብዝናብ መልክዕ ናብ ምድሪ ዝወርድን ብኸምኒ ባሎንጓን ዓይኒ-ዓተርን ዝበሉ ጥራምረ (leguminous plants) ብሰራውሮም ገቢሮም ዘፍርይዎ ናይትሮጂን፣ ካልእ ኣዕጋቢ ዝዀነ ምንጪ ናይትሮጂን ብተፈጥሮ ዘየለ ምዃኑ እዩ።

ስለዚ ብደረጃ ዓለም፣ ቀረብ ተፈጥራዊ ናይትሮጂን ምስ ኣብ ሕርሻ ዘሎ ፅምኢ ወይ ድሌት ናይትሮጂን ዝተጠዓዓመ ኣይኰነን። መሰረታዊ ዝዀነ ናይ ድሌትን ቀረብን ሓጓፍ ኣሎ። ነዚ ድሌት ንምምላእ እዩ ናብ ምህዞን ኢንዱስትሪያዊ ምፍራይን ኣሞንያ (እታወት ድኹዒ) ዝተኣተወ።

ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን ኣብዚ ዓውዲ እንታይ ፖሊሲ ሓንፂፃን ተግቢራን? ድኹዒ ብኽባር እናገዛእኻ፣ ብሕፅረት ኣብፍልጦን ሕስድናን ብዝሳቐ ካድረ እናከፋፈልካን ሓረስታይ ትግራይ ዝሕንዝሕ ክነብዕ ዝገብር ኣካይዳ ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ዘይተኣረመ?

 ሓፈሻዊ “እቶት ፍርያት ሕርሻ” ከመይ ይሰስን?

ብዝሒን ብርካተ-እቶትን (Abundance and productivity) ከመይ ይረአ?

እዚ ዓብይ ዛዕባ እዙይ ብቐንዱ ንሰብ-ሞያ ቁጠባን ሰብ-ሞያ ሕርሻን ዝምልከት ኰይኑ፣ ሓፈሻዊ ነገራት ኣሕፅር ኣቢለ ጥራሕ እየ ከልዕል። “እቶት ፍርያት ሕርሻ” እንትንብል ቀለብ ሰብን እንሰሳን ዝሓውስ እዩ። ወዲ-ሰብ ንኽዓብን ንኽባዛሕን ካብቶም ብመሰረታዊነት ዘድልይዎ ነገራት እቲ ሓደ ምግቢ እዩ፤ እንስሳታት እውን ከምኡ።

ቁፅሪ ህዝቢ እናወሰኸ ምስከደ ስፍሓት ተሓራሳይን መግሃጺ እንሰሳን ዝዀን መሬት እናዋሓደ፣ እቲ መሬት ብተደጋጋሚ ስለ ዝተሓርሰን ዝተጋህፀን ከዓ ትሕዝቶ ናትሮጂንን ካልኦት ንዕብየት ኣዝርእቲ ፍራምረን ሳዕሪን ጠቐምቲ ዝኾኑ ነገራት እናነከየ ከይዱ። እዙይ እንትዀን ካልኦት ሃገራት ዓለምና ነቲ ፀገም ካብ ስሩ ብምፅናዕን ከም ኣሞንያ ዝበሉ ምህዞ ሳይንስ ብሰፊሑ ብምፍራይ ናብ ረብሓ ብምውዓልን፣ ናይ ባዕለን መፍትሒታት ወሲደን ብምግቢ ዓርሰን ክኢለን እየን። እንተ ኣብ ትግራይ ግን፣ ኣግራብ እናባደምካ ስፍሓት ተሓራሲ መሬት ካብ ምውሳኽ ወፃኢ፣ ንኣሽሓት ዘበናት እዙይ ዝበሃል መሰረታዊ መፍትሒ ከይተገበረሉን እቲ ባህላዊ ሕርሻና ዋላ ሓንቲ ከይተቐየረን ፀኒሑን ኣሎን። እዙይ ኣካይዳና ከዓ ንነዊሕ ዘበናት ኣብ ድኽነትን ስደትን ን ክንፀንሕ ዝገበረ መሰረታዊ ሕመቕ እዩ።

ሓደ ሕብረተሰብ ሓፈሻዊ እቶት ሕርሻ ንምውሳኽ ክልተ መንገዲ ክኽተል ይኽእል፦ እቲ ሓደ ስፍሓት ተሓራሲ መሬት ብምውሳኽ እንትኸውን (ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ሕቶ ህልውናና ዝኾነሉ ምኽንያት እዙይ እዩ)፣ እቲ ካልኣይ ከዓ ኣብታ ዘላ መሬት ዘበናዊ እታወታት ብምጥቃም መጠንን ፅሬትን እቶት ምድንፋዕ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብታ ዘላ መሬት መጠን ሓደ ዓይነት ፍርያት ሕርሻ ክፀልዉ ዝኽእሉ ነገራት ሰብ-ሞያ እቲ ዓውዲ ኣብ ሰለስተ ይኸፍልዎም። 1) ቴክኖሎጂያዊ (ልምዲ ኣተሓራርሳን ምሕደራን ውሳነታትን፣ ወዘተ)፣ 2) ስነ-ሂወታዊን (ሕማም፣ ነፍሳት፣ ባልዕን፣ ፃህያይን፣ ወዘተ) 3) ከባብያዊን (ኩነታት ነባሪ-ኣየር፣ ልሙዕነት ሓመድ፣ ኣቀማምጣ መሬትን፣ ዓይነት ማይን፣ ወዘተ)። ኣብዞም ሰለስተ ወሰንቲ ዓውዲታት እዚኦም ዘለውና ፀገማት ብትኽክልን ብዝርዝርን ተፀኒዖም ስርዓት ዘለዎ መፍትሒታት ሓፂርን ነዊሕን ግዘ ተነፂሮምን ተተግቢሮምን ዶ?

ብኻልእ ወገን ድማ ሓደ ንምግብነት እነውዕሎ እኽሊ ካብ ካልእ እኽሊ፣ ሓደ ንምግብነት እነውዕሎ እንሰሳ ካብ ካልእ እንሰሳ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት እናሃለዉ መጠን ዝውህብዎ ፍርያት ክፈላለ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፦ ን ጣፍ፣ ምሸላ-ባሕሪ (ዕፉን)፣ ስርናይን ምሸላን ዘወዳድር ብ 2022 ኣ.ም.ፈ Yield Gaps of Major Cereal and Grain Legume Crops in Ethiopia ብዝብል ርእሲ ኣብ ዓውዲ Agronomy ብ MDPI Journal ዝተሓተመ መፅናዕቲ እንትንርኢ፣ ጣፍ ኣብ ተመሳሳሊ ስፍሓት ቦታ ብዝውህቦ ማእኸላይ እቶት ካብ ኩሎም ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ንርዳእ (ምሉእ ሰንጠረዥ ኣብ ታሕቲ ኣሎ) ፣ ከይዲ ኣተሓራርስኡን ኣተሓሕዝኡን እውን ካብ ኩሎም ኣዝዩ ኣድካሚ ምዃኑ ይፍለጥ። ‘Cash crop’ እውን ኣይኰነን። ንምንታይ ድኣ ካብ ኩሎም እኽልታት ንላዕሊ ኣብሊፅና ንመዓልታዊ ምግቢ (እንጀራ) ንጥቀመሉ ኣለና፣ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ የለን። “ኣብ ርእሲ ድኽነተን ምራኽ ትሞተን” ከም ዝበሃል፣ ኣብ ርእሲ ሕፅረት ሕፅረት እዩ ኰይኑና ዘሎ!

ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም (FAO) ኣብ 2022 ኣ.ም.ፈ Agricultural Production Statistics 2000-2021 ብዝብል ኣብ ዘሐትሞ ኣዝዩ ጠቓሚ መፅናዕቲ፣ ኣብ ዓለምና ብ በዝሒ ዝፈርዩን ንሚልዮናት ካብ ድኽነትን ጥምየትን ዘናገፉን ካብ ዝበሃሉ ዝራእቲ ቅድሚት ዝሰርዖም ምሸላ-ባሕሪ (ዒልቦ)፣ ሩዝ፣ ስርናይ፣ ስገምን ምሸላን እዮም። ብሄክታር ብዝውህብዎ በዝሒ እቶት ብቐዳምነት ካብ ዝስርዑ (HYVs) ከኣ ስርናይ፣ ዒልቦ፣ ኣዳጉራ፣ ሩዝ፣  ድንሽን፣ ጡጥን ይጥቀሱ። ንሕና ምስቲ ዘለና ፅበት ተሓራሳይ መሬት ነዚኦም ብኸመይ ንርእዮምን ንጥቀመሎምን ኣለና? ካብ መሰረቱ ክቕየር ዘለዎ ነገር ዘሎ መሲሉ ዶ ኣይስምዓኩምን?

ካብ መፅናዕቲ FAO እንከይወፃእና ኣብ ዓለምና ብበዝሒ ንምግብነት ዝውዕል ስጋ እንስሳታት ብደረጃ እንትሰራዕ ደርሆ፣ ሓሰማ፣ ከፍቲ፣ በጊዕን፣ ጤልን ከም ዝዀኑ ይሕብር። እዙይ እቶም ዝማዕበሉ ዝበሃሉ ዓድታት ብኹሉ ኣንፈት (ብጥዕና፣ መጠን እቶት፣ ባህሊን ሃይማኖትን ሓዊሱ) ርእዮምን ኣመዛዚኖምን ዘፍርይዎ ምዃኖም እውን ኣይንዘንግዕ። ካብዚ ብዘይካ ሓሰማ እቶም ካልኦት ኩሎም ብኣብዝሓ ብባህልናን ሃይማኖትናን ቅቡልነት ዘለዎም እዮም፣ ግን ከመይ ኢና እነፍርዮምን እንጥቀመሎምን ዘለና? ኣብዚ ብዙሕ ዝተርፈ ነገር ኣሎ።

ብ 2013 ዓ.ም.ፈ ብዛዕባ ዉሕስና ኣመጋግባን ናይ መፃኢ ምንጪ ምግቢ ዓለምን ኣመልኪቱ FAO ዘውፅኦ ሪፖርት ኣሎ፣ “Edible insects: future prospects of food and feed security” ይብል። ብዙሓት ቅውም-ነገራት ዝሓዘ ብጣዕሚ ጠቓሚ በዓል 200 ገፅ መፅናዕታዊ ፅሑፍ እዩ። ናብ ከባቢ 1900 ዝኾኑ ዝብልዑ ነፍሳት (insects) ኣለዉ ይበሃል። ነፍሳት ብባህሪኦም ንምርብሖም ቀሊል (ማይ፣ ምግቢ፣ቦታን ጉልበትን ቆጠብቲ)፣ ምስ በዓል ስጋን ዓሳን እንትነፃፀሩ ከዓ ዝበልፅ እምበር ዘይንእስ ንጥዕና ወዲ ሰብ ኣድላይቲ ዝኾኑ ከምእኒ ፕሮቲን፣ ፋይበር፣ ማዕድን፣ ቫይታሚናትን ካልኦት ንጥረ-ነገራትን ዝሓዙ እዮም። ብተወሳኺ እውን፣ ቁሩብ ሓዊ ኣውቅዕ ኣቢልካ ክብልዑ ዝኽእሉን ንሰውነትና ዝምርዙ ነገራት ብዙሕ ዘየብሎምን እዮም። ላርቫ እናሃለዉን ምሉእ ንምሉእ ምስዓበዩን ክብልዑ ዝኽእሉ ነፍሳት ብተፈጥሮ እዉን ብበዝሒ ይርከቡ እዮም። ሕርሻናን ስርዓተ-ኣመጋግባና ናብዚ ዓውዲ እዙይ ሃሰስ እንተበለ ዝበለፀ ንርባሕ እምበር ኣይንጉዳእን።

መደምደምታ፦

እቶም ዘይለመድናዮም ኰነ ካልኦት ብ ባህልና ከም ዕለታዊ ምግቢ እንጥቀመሎም፣ ብኸመይ እዮም ዝፈርዩ? ኣብ ዓድና እኹል ምግብን ከይዲ ፍርያት እቶትን (abundance and productivity) እንታይ ይመስል፣ ብኸመይ ከ ክመሓየሹ ይኽእሉ? `ምዕቡል` ዓለም ብዛዕብኦም እንታይ ልምዲ ኣለዎ? ኣብ ጥዕናን ዕብየትን ወዲ ሰብ እንታይ ግደ ይፃወቱ? ብኸመይ ኣካል ዕለታዊ ኣመጋግባና ክኾኑ ይኽእሉ፣ ወዘተ ዝብሉ ሰፋሕቲ ሕቶታት ምልዓልና ግድንን ትኽክክልን እዩ። ቅድሚ ንሱ ግን ኣብ መሰረታዊ ረብሓ “ወያነ ምግቢ” ግንዛበን ምስምዕማዕን ምፍጣር የድሊ፣ እሞ ዕማም ኩላትና እንተገበርናዮ ኸ?!