ብፍቓድና ከይኮነስ ብፍቓድ እቶም ግማዓት ህወሓት፣ ተጋሩ ካብ ዝኾነ እዋን ብላዕሊ ተኸፋፊልና ንርከብ፡፡ ክልቲኦም ጉጅለታት ውድብ ህውሓት ንሕቶታቶምን ድሌታቶምን ብኮበርታ ሕቶ ህዝቢ ሸፊኖም እንተቅርቡልና ሕቶና እንዳመሰለና በቢፅርጊይኡ ሰልፊ ንወፅእ ኣለና፡፡ እዚ ድማ ነቲ ፀወታ ጉታ ገመድ ክልቲኦም ጉጅለታት ዘሐይልን እቲ ገመድ እንትብጠስ ድማ ብኽልቲኡ ኣንፈት ዘለና ህዝቢ ሒዙና ክንፀድፍ ዝገብርን ተግባር እዩ፡፡ እቲ ጉታ ደው ክብል፣ እንተዘይሉ እውን ጉድኣቱ ኣብቶም ዝጓተቱ ብኣፃብዕቲ ዝቁፀሩ ውሑዳት ሰባት ጥራሕ ክተርፍ እምበር ኣብ ህዝቢ ከይኾን ዓርስና ካብኡ ክንርሕቕ ይግባእ፡፡
ከምቲ ዝፍለጥ፣ ህዝቢ ምስ እንቅዓ ፀገማቱ እንተሎ ቀንዲ ሕቶ ውድብ ህወሓት ወንበር እዩ ዘሎ፡፡
ኣነ እየ ህወሓት፡ ኣነ እባ ህወሓት ኣብ ዝብል ውጥጥ ናይ ህዝቢ ፀገም ከምዚ እዩ ዝፍታሕ፡ ኣይፋሉን ብኸምዚ እባ ዝብል የብሉን፡፡ እቲ ምግምማዕ ኣብ ስልጣንን ኣብ ምቅርማት ሃፍቲ ትግራይን ዝተደረኸ እምበር ምስ ሕቶ ህዝቢ ዝተሓሓዝ ነገር ከምዘይብሉ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ፡፡ ኣነ እየ እቲ ዋና ህወሓት ምባል ዘድለየ እውን ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ዘለዎ ክብሪ ስለዝፈልጡ በቲ ሽም ንምሽቃጥ ጥራሕ ከምዝኾነ ኩልና ንፈልጦ፡፡
ክልቲኦም ግማዓት ውድብ ህወሓት ንናይ ህዝቢ ፀገም ንክፈትሑን ሕቶ ክምልሱን ዓቕሚ ጥራሕ ዘይኮነ ድሌት ዘየብሎም ከምዝኾነ እቲ ቀደም ሓደ ከለው ኾነ ድሕሪ ምግምማዕ ኣብ ዘሎ ውሑድ ዘይበሃል ዓመታት ርኢናዮ ኢና፡፡ ኣብ ካልኦት ዓዲታት ውድባት ድጋፍ ህዝቢ እንትጠልባ ሕቶ ህዝቢ እየን ዝምልሳ፡፡ ህዝቢ ዝድግፍ ሕትኡ ንዝምልሰሉ ውድብ ወይ ድማ ግማዕ ውድብ ስለዝኾነ፡፡ ክልቲኦም ግማዓት ውድብ ህወሓት ግን እዚ ክገብሩ ኣይከኣሉን፡፡ ንምንታይ? ዓቕሚን ድሌትን ስለዘየብሎም፡፡ ድሌት እንተዝህሉ፣ እቲ ዝኽእሉዎ መፈተኑ፡፡ ግን የለን፡፡ ድሌቶም ወንበር ጥራሕ ስለዝኾነ፣ ናብ ከባቢኦም ተሸጉጦም ነቲ ህዝቢ ከፋፊሎም ስቓይ ህዝቢ የጋድዱን የናውሑን ኣለው፡፡
ካብዚ ኩነታት ክጥቀሙ ዝኽእሉ ፀላእትና እዮም፡፡ ፀላእትና ልዕሊ ዝኾነ እዋን ምችው ኩነታት ተፈጢሩሎም ኣሎ፡፡ ጉጅለታት ህወሓት ብወንበር እንትባልዑ ክርቢትን ላምባን የቐብሉ ኣለው፡፡ በዚ ኣቢሎም እቲ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ኮነ በሕገመንግስቲ ዝተቐመጠሎም ግዴታታት ንሓዋሩ ደርብዮሞ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ብኹናት ዘየሳኽዕዎ መደባት ፅንተት ብቐሊሉ የካይዱዎ ኣለው፡፡ ነዚ ቀንዲ ተሓታቲ ክልቲኦም ጉጅለታት ውድብ ህወሓት እዮም፡፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ነቶም ሓቢሮም ዘፅነቱና ግን ድማ ሕጂ ጥቅሚ ዘባኣሶም ክልተ ገበነኛታት ንዑ ኣባልዑና እንዳበሉ ይፅውዑዎም ኣለው፡፡
መዋፅኦ እዚ ኣቲናዮ ዘለና ዓዘቕቲ ኣብ ኢድ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ንኽልቲኦም ጉጅለታት ውድብ ህውሓት ድጋፍ ብምኽላእ እዞም ዝስዕቡ ግልፂ መልእኽቲታት ንሰድድ፡፡ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ዝብትን ወይውን ናብ ሓደጋ ኣብ ዘእቱ ፀወታ ፖለቲካ ዕንጨይቲ ኣይነቕብልን፡፡ ኣብ ናይ ድጋፍ ኮነ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣይንርከብን፡፡ ንዝኾነ ይኹን ጉጅለ ናተይ ደገፍቲ ይበዝሑ እሞ ምልዛብ ኣየድልየንን፡ ክስዕር እየ ኢሉ፡ ኣብ ክንዲ ምርድዳእ ምፍግጋእ ንኽመርፅ ዘተባብዕ ዓርሰ እምነት ክህልዎ ኣይንፈቅድን፡፡
ከምዚ ዝበለ ናይ ሓባር ተቓውሞ ወይ ድማ ዘይምጉጅጃል እቶም ክልተ ግማዓት መማረፂኦም ልዝብ ጥራሕ ከምዝኾነ እምበር ንዕኦም ብምድጋፍ ዝቃለስን ዝወድቕን ከምዘየለ ክርድኡ ይገብር፡፡ ቅብሉነት ህወሓትን ግማዓቱን ኣብ ልዝብን ፀገም ህዝቢ ዝፈትሑ ተግባራትን ጥራሕ ዝድረኽ ከምዝኾነ ክፈልጡ ይሕግዝ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ብሕታዊ መፍትሒ እዚ ይመስለኒ፡፡ ክድገፍ ዝግበኦ ጉጅለ ኣብ ዘየብሉ ንክልተ ሕማቓት ብምውድዳር ነቲ ዝሓሸ ዝመሰለና ምድጋፍ ነቲ ምግምማዕን ምብላዕን ዘቀላጥፎን ዘጋድዶን ጥራሕ እምበር መፍትሒ ክኾን ኣይክእልን፡፡
እዚ እዋን ከቢድ እዋን እዩ፤ እንተኾነ ግን ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ እዞም ክልተ ግማዓት ህወሓት እዩ፡፡ ሓይልና ንኽልቲኦም ኣብ ዘይምድጋፍን ንናይ ሓባር ጥቕምና ደው ኣብ ምባልን እዩ ዘሎ፡፡ ንኽልቲኦም ድጋፍ ንኽልኣዮም፡ ድምፂ እቶም ግማዓት ውድብ ህወሓት ከይኮነ ድምፂና ጥራሕ ነስምዕ፡፡ በክልቲኦም ወገናትን ብፀላእቲን ዝንዝሑ ናይ ሓሶት ወረታት ንጎኒ ብምግዳፍ ኣጀንዳ ክህቡና ኣይንፍቀድ፡፡ ሽዑ እዩ ሕቶና ክስማዕን ክምለሰን ክጅምር፡፡