ኣይተ ሃያሉ ጎዲፋይ

ኣቦ መንበር ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ዝነበረ ኣይተ ሃያሉ ጎዲፋይ ብውልቃዊ ውሳንኡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝተፀንበረ ካብ ሜዳ ቃልሲ ሓራ መሬት ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ሜዳ ቃልሲ ዝወረደ ሃያሉ ጎዲፋይ ክሳብ ዝኸደላ ዕለት ናይቲ ውድብ ኣቦ መንበር ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ውድብ ሳወት ”ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሽኻሉ ኣብ ትግራይ ክገብር ኣለዎ” ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ ኮይኑ፣ ካብ ዲሞክራሲያዊ ፌደሬሽን ክሳብ ምስረታ ሃገር” ዝዝርጋሕ መማረጺ ሒዙ ክቃለስ ጸኒሑ እዩ። ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ድማ ”ረብሓ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቅርጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይሳኻዕን” ዝብል ውሳነ ከምዘሕለፈ ይፍለጥ። እቲ ውድብ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክኽበር ዕላማ ገይሩ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ዝተሳተፈን ብኣተሓሳስባ ሶሻል ዲሞክራሲ ድማ ዝኣምንን እዩ። ኣቦ መንበር ባይቶና ዝነበረ ኪዳነ ኣመነን ኣባል ኣመራርሓ ውናት ዝነበረ መሓሪ ዮሃንስን እውን ካብ ጉሓቱ ናብቲ ቃልሲ ከምዝተጸንበሩ ይዝከር። ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት ካብ ዝነበሩ ኣብ ቀረባ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዝተጸንበሩ ድማ ደስታ ገብረመድህን ንረክብ። ብዙሕ መንእሰይ ትግራይ፣ ኣባላት ፖሊስን መከላኸሊ ሃገርን ዝነበሩ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ዝነበሩ ፍሉጣት ተጋሩ ብውልቃዊ ውሳንኦም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ እናተጸምበሩ ይርከቡ።