ዋዕላ መራሕቲ ሓያላን ሃገራት ጉጅለ-7

መራሕቲ ሓያላን ሃገራት ጉጅለ-7 ጉዳይ ትግራይ ኣጀንዳ ገይሮም ከምዝዝትይሉ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዝካየድ ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሓያላን ሃገራት ጉጅለ-7 ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላዉ ኣልዒሉ ክዝቲ ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ኣረዲኡ።

ኣብቲ መራሕቲ ቀንዲ ትካላት ረዲኤት፡ ካልኦት ሰብ መዚ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዘካየድዎ ክፉት ሓበራዊ ኣኼባ ተረኺቡ ሓሳቡ ዘካፈለ ፈልትማን፡ ጉዳይ ትግራይ ኣጀንዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኸውን ከምዝግባእ እውን ሓቢሩ።

ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዝካየድ “ኣኼባ ጉጅለ-7 ጉዳይ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ዛዕባኡ ከምዝኾነን እዞም መራሕቲ ዓለም ኣጀንዳ ክውስኑ ዝኽእሉ ከምዝኾኑን ጉዳይ ኢትዮጵያ ድማ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝወሰኑ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹኡ ኣለዎም ዝበለ ፈልትማን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዞባዊ ምርግጋእን እውን ካብቶም ጠመተ ክረኽቡ ዘለዎም ጉዳያት ምዃኖም ኣረዲኡ።

ብተዛማዲ ዜና ሓላፊት ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ፡ ሳማንታ ፓወር፡ ጉዳይ ትግራይ ኣጀንዳ ባይቶ ጸጥታ ክኸውን ኣለዎ ድሕሪ ምባል፡ ጉዳይ ቅልውላው ኲናት “መቕዘፍቲ” ከምዝኾነን ነዚ ንምፍታሕ ኩሎም ወገናት ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ ድማ ጸዊዓ ኣላ።

ከምኡ እውን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሑቡራት ሃገራት “ግጭት ንኽቋረፅ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጸቕጢ ክገብር፡ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ጸቕጢ ክገብረሎም” ከምዘለዎ ኣተሓሳሲባ።