መኒኦም ድዮም ስዒሮም?

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ከምዚ ኮይኑ።

ኣነ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ይኸደልኩም። ቀዳም ይመስለኒ። ከተማና ዕዳጋኣ ቀዳም እዩ። ወያ ከተማ ብፍርሒ ደብዳብ ነፈርቲ ቀዳም ምድሪ ዝተወረረት ትመስል ጭር ኢላ። ሰብ ዘበለት ኩላ ቁርሲ ቆሪሳ፣ ምሳሕ ቋፂራ ፎቖዶ ሽንጥሮ ኮይኑ ምዓላ።

ኣነ ኩላምሉ ብደንቢ ኣይተረደአንን። ናብ ኣሞይ እየ ከይደ። ኩሉ መመውዓሊኡ እንትሕዝ ኣነ ምስ ጉዕሽ (Guesh Gebretsadik) ውዓል ኪድ ተባሂለ ካብ ከተማ ርሕቕ ኢሉ ናብ ዝርከብ ኣግራብ ዝበዝሖ ሽንጥሮ ከድና። ኣብ እግሪ ሓንቲ ፅላል ዓየ ካባይ ብዕድመ ቁሩብ ዕብይ ዕብይ ዝብሉ ቆልዑ ተኣኪቦም ፀንሑና። እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ደራሪቦም ደረጃታት ሰሪሖም ኩሎም ናብዛ እግሪ ዓየ ገፆም ኮፍ ኢሎም – ድምፂ የለን። ጉዕሽ መሪሑኒ ክኸይድ ይዝከረኒ – ከም ሕልሚ ኮይኑ። ንሕና ውን እምኒ ደርዲርና ኮፍ በልና።

ፅንሕ ኢሉ ከላሽን ኣብ ማእገሩ ገይሩ ሙሉእ ዕጥቂ ዝተዓጠቐ ተጋዳላይ በቲ ሓደ ኢዱ መፅሓፍ፣ በቲ ሓደ ኩርናዕ ኢዱ ዝኾነ ክልተ እመት ብኣርባዕተ እመት ዝኸውን ጣውላ መሳሊ ነገር ኣንጠልጢሉ ኣብ ሞንጎ ኣፃብዕቱ ዝኾነ ትኪ ነገር ናብ ኣፉ እንዳወተፈ ትኪ ቦኾኽ ቦኾኽ እንዳበለ ህንፍፅ ህንፍፅ እንዳበለ መፅአ።

«ከመይ ኣለኹም ሰገናት?»

«ድሓን ኢና መምህር! » ብሓደ ድምፂ።

ዘደንግፅ እዩ ነይሩ። ኣነ እዚ ኹሉ ኣይተፀበኹዎን። መዋዕልቲ ስለዘይነበረኒ ጥራሕ እየ ከይደ።

እዞም ቆልዑ ካብ ሞንጎ ምስሖም ዝቛፀሩሉ ጨርቂ ቦርሳ ደብተርን ቢሮን ከውፅኡ ጀመሩ። ኣነ በይነይ ውዓግ መሲለ ተሪፈ። መምህር እውን እዛ ከላሽኑ ኣብ እግሪ እቲ ዓየ ብሓደ ገፅ ኣደጊፉ ምስ ኣቐመጠ፣ እታ ሒዙዋ ዝመፀ ጣውላ ኣእማን ደራሪቡ ናብቲ ጉንዲ ዓየ ኣፀጊዑ ደው ኣበላ። «ብላክቦርድ» ከምትበሃል ድሓር ፈሊጠ።

ካብ ጅቡኡ ኣፃብዕቲ ዝመስላ ደስ ዝብለ ፀዓዱ ነገራት ኣውፂኡ ኣብቲ «ብላክቦርድ» ሕንጥጥ ሕንጥጥ ኣበለ። ንሰን `ውን «ቾክ» ከምዝበሃላ ቀስ ኢለ ፈሊጠየን።

«ሎሚ ሕ/ሰብ ሳይንስ ኢና ክንመሃር፣ ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ ፊልመ-ዴስነት ኣብ ኣልባኒያ ምምሃርና ዝዝከር እዩ ….» ሽዑ ኣልባንያ ሽረ ሕልፍ ኢልካ ዝርከብ ቦታ ይመስለኒ ነይሩ። ክሳብ ሎሚ ምስ ኣልባንያ ዝነበረና ርክብ ኣይተረድኣንን። ሽማ ግን ክፈትዋ ዝነበርኩ።

መምህር እንዳምሃረ ክንደይ ተምሃሮ ደራሪቦም ዝተቐመጡሉ እምኒ ፈሪሱዎም ወዲቖም – ተሲኦም። መሊሶም ደራሪቦም ኮፍ ክሳብ ዝብሉ ንደቒቓታት ት/ቲ ይቋረፅ። ፈስን ጥራጥን እኳ መሊኡ እዩ። ይትረፍ ሽዑ ፍርቂ መዓኮሮም ኣብ እምኒ ኮፍ ኢሉ፣ ሎሚ እኳ ኣብ ሶፋ ተደላዲልኩም እንዶ ትጠርጡ ዘለኹም – ጠራጦ 😋

ክሳብ ሐዚ ካብ ሕልናይ ዘይትፍለ ነገር እቲ መምህር ዝነበሮ ሞራል፣ እቶም ተምሃሮ ንኽፈልጡ ዝገብሮ ዝነበረ ፃዕሪ …. ፐእ! ከምኡ ገይሮም ኣምሂሮሙኻ ዶ ትደኪ?

ኣብዛ ንኡሽተይ «ብላክቦርድ» እንዳፀሓፈ ሸተት ኢላ ካብቲ እምኒ ትወርድ፣ ልዕል የብላ፣ ቁሩብ ምስፀሓፈ ትወርድ፣ ልዕል የብላ ….. እቶም ተምሃሮ ከመይ ኢሉ ከምዝረኣዮም እንድዒ – ይፅሕፉ። ኣነ ከም ሽዑ መዓልቲ ተዓጊሰ ኣይፈልጥን። ነዊ…… ሕ ኮፍ ኢልና።

ድሕሪ ክንደይ ስዓታት ናይ 15 ደቒቓ ዕረፍቲ ሃቦም።

«ወዲ ገብረፃዲቕ ንዓ እስኪ ተልኣኸኒ» ኢሉ ንጉዕሽ ኣብ እዝኑ ሕሹኽ በሎ። ጉዕሽ ብዘለዎ መንገዲ እንትጅምር ተኸቲለዮ ጎየኹ። ካሊእ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረንን። ሒዙኒ መፂኡ ገዲፉኒ ከይዱ ኢለ ተናዲደ።

«ንዓ፣ ንዓ ማንጁስ ኣብዚ ፅንሓዮ!» በለኒ `ዚ ተጋዳላይ መምህር። ጉዕሽ እውን «ቀልጢፈ ክመፅእ እየ፣ ምስኦም ፅንሓኒ» ኢሉኒ – ጉያ ቀፀለ።

ፀኒሑ ፀኒሑ ኩቦ እንዳትከኸ ሓዊ ሒዙ መፀ። እዛ ኩቦ ናብ ኣፍ እዚ መምህር ኣቕርብ ኣበለሉ። እዛ «ቾክ» ብኣፃብዕቱ ቀርቂሩ ኣብ ኣፉ ወቲፉ ኣትከኻ።

«እታ ቾክ እኮ ኣይኮነትን» በለኒ ጉዕሽ «ሽጋራ» እያ ትበሃል በለኒ። “ከተማ ርጉማት መልሓሶም ሓዊ ኮይኑና እንዳበልናስ ሓዊ ይበልዑ” በልኩ በዛ ልበይ።

ይገርመኩም ድሕሪ ዓመታት – ህይወት ኣጓንያትኒ ላዕሊ ታሕቲ እንዳበልኩ ከለኹ ደርጊ ወዲቑ፣ ተጋዳላይ መዓር ኣፉ በ`ዲስባ ምሕላፉ ዝሰማዕኹ ወርቂ ኣርየ ብ180 ቅርሺ ዝገዛእኹዋ ሳንጣ ወይን ብትበሃል ሬድዮ እዩ። ናይ 4 ቅርሺ “ኤቨሬዲ” ገዚአ (እዛ ድሙ ባ ናበይ ሒዛቶ ኣተወት?) ክሳብ ዓንቀራ ከፊተ እንታይ ትብል ከምዘላ ከይሰማዕኹ ውፈር ተበገስ ክትደርፍ እንዳተፀበኹ ብመንገዲ ክሓልፍ ሓደ ርሕቕ ዝበለ ጎረቤትና በቲ ካርባ እንዳዘለለ መፂኡ «ኣታ ወዲ ገ/የሱስ እስከ ፅንሓኒ! እንታይ ተብሃለ? ዓወት…… » ብሕቶ ኣፃደፈኒ።

«ዜና ሰሚዕኻ ዶ?» በለኒ። ከም ዜና እኳ ዘፅልኣኒ ነገር የለን – ቅድሚኡ ዜና ሰሚዐላ ኣይፈልጥን። ደወል ክትድወል ከላ ተናዲደ ድርግም እየ ዘብላ። ንዜና ኢለ እውን ኣይገዛእኹዋን – ንጉራን ንደርፍን እምበር። ሽዑ ግን ደው ኣቢሉኒ ኣምሰየ። ሓቢርና ሰሚዕናያ።

«ጀግናው የመከላከያ ሰራዊታችን ለሰፊው ህዝብ ጥዕም ሲባል ….. ተቆጣጥሮታል» ክደጋገም ሰማዕና።

«ዋይ ታይ እዮም በምሕርኛ ዝዛረቡ ዘለው ዓንዶም ወደይ? መኒኦም ድዮም ስዒሮም?» በለኒ። ኣምሕርኛ ምዃኑ ውን ንሱ እዩ ፈሊጡዎ – ንቕሕ ዝበለ እዩ ነይሩ – ሽረ በፂሑ ይመፅእ ነይሩ እዩ – ቀዲመዮ ድኣ ረድዮ ገዚአ እምበር። ንዓይ ዘተሓሳሰበኒ ሽዑ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ብዘረባ ጥራሕ ደርፊ ከይሰማዕኹሉ ባትሪየይ ምውድኡ እዩ።

«መኒኦም ድዮም ስዒሮም….?» እንዳበለ – የቐንየለይ እኳ ከይበለኒ በይኑ እንዳተዛረበ ከይዱ።

ድሓርስ ኳ ፈሊጥና ዋኢ……!

ተጋዳላይ ትግራይ ንምግማቱ ዘፀግም መስዋእትነት፣ ኒሕን ሓቦን ጥራሕ ሰኒቑ፣ ስጋይ ስጋኻ እንዳተብሃሃለ ባሕርታት ቀለም እንተዝኾኑ፣ መሬት ወረቐት እንተትኸውን `ውን ፅሒፍካ ዘይትውድኦ መስተንክራዊ ታሪኽ ሰሪሑ ….. ዓወት ሓፊሱ።

ኣብ ዓድና ድሕሪ 17 ዓመት ንዓመቱ ንመጀመርታ ጊዜ ት/ቲ ተጀሚሩ። እንስሳና ጠጠንጢንና ኣተና – መብዛሕትኦም እኳ ካብ ጥሪ ኣይሓለፉን – ኣብ እንዳ መርዑ ተመሪቖም። ኣነን ዝተወሰኑ መጓስይተይን ግን ምስ ካልኦት ደቂ ከተማ ቀፂልና – ንሕና ውን ከም ሰብና እምኒ ደርዲርና ተምሃርና። ወዮ እምኒ፣ «ብላክቦርድ»፣ «ቾክ» ተማሂርናሉ – ሎሚ እውን ይመሃሩሉ ኣለው።

ጀጋኑ ተጋደልትን ሃርበኛታትን – ዝኸፈልኩሞ መስዋእቲ ፍፁም ቅንዕነትን ህዝባውነትን ዝተመልኦ ብምዃኑ ክብርን ሞጎስን ንዓኹም። ዝኸፈልኩሞ መስዋእትነት ፈፂምና ንፃት `ውን ኣይንርስዖን። ግርህነትኩም ብጉርሖም ናብ ውልቀ ረብሐኦም ዘውዓሉ «ብፆትኩም» ግን ተስፋና ነዊሕን መሪርን ገይረሞ እዮም – ክንቃለሶም ኢና!

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና! ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑና!