ሰብኣዊ ረዲኤት ‘ረጊጹና ይሓልፍ ኣሎ’ ይብሉ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝርከቡ ነበርቲ፡ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ኣብቲ ቅድሚ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ዝመሓደር ዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕረር ክልል ኣምሓራ ኣትዩ ዘሎ ምዕራባዊ ትግራይ፡ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝርከቡ ዜጋታት፡ ዝበልዕዎ ቀለቦም ከምዝተወደአን ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ከምዘይረኸቡን እዮም ገሊጾም፡፡

እቶም ቅድሚ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ዝመሓደር ዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣትዩ ዘሎ ምዕራባዊ ትግራይ፡ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝርከቡ ዜጋታት፡ ዝበልዕዎ ቀለቦም ከምዝተወደአን ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ከምዘይረኸቡን ገሊጾም፡፡

ንድሕነቱ ክበሃል ሽሙ ዘይንጠቕሶ ሓደ ነባራይ ቃፍታ ሑመራ ”ንሕና ገባራት ኢና፤ እኽልናን ከፍትናን ብሸፋቱ ተወሲዱ ፡፡ [ምንም] ዝብላዕ የብልናን” ኢሉ፡፡

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝወሃበሉ ከባቢ ሸራሮን ማእከል ትግራይን ከይጓዓዙ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዘየለን ዕጡቓት ሚልሻታት ከምዝኽልክልዎምን ዝገለጸ ካልእ ነባራይ ቃፍታ ሑመራ ድማ ”ከይትኸይድ ከልካላይ ሓይሊ ኣሎ፡ ርዳእታ [ረዲኤት] እውን ዝህብ ኣካል ስኢንና” ብምባል ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡

”ኩሉ ናብ ሞት ተቐሪቡ ክትብሎ ትኽእል፤ አዒንቱ ቐዪሩ፡፡ ከቢድ ኮይኑ” ብምባል እቲ ህዝቢ ብጥምየት ይህሰ ኣሎ ይብል፡፡

ቅድም ክብል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዋና ፈጻሚ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣይተ ገብረ መስቀል ካሳ፡ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይን ገለ ክፋል ደቡባዊ ዞባን፡ ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብሓይሊ ከምዝተወሰደን፡ ሃለዋት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣብተን ዝተጠቐሳ ከባቢታት ዝነበሩ ዝነበሩ ሰባት ከምዘይፈልጥን ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡

ኣፈኛ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ጌታቸው ሙሉነህ እውን፡ እቲ ከባቢ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ እንተኾነ ብህወሓት ብሓይሊ ተወሲዱ ከምዝጸንሐን ብሓይሊ ከምዘምለስዎን ንቢቢሲ ምግለጹ ይዝከር፡፡

ናይቲ ኣብዚ እዋን ‘ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን’ ተባሂሉ ብክልል ኣምሓራ ተጣይሹ ዘሎ ዞባ ኣማሓዳሪ ዝኾነ ኣይተ እሸቴ ደምለው፡ ናብቶም ዝተጠቐሱ ከባታት መንግስቲ ፌደራል ረዲኤት የቕርብ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ካብ ዘቕርቦ ውሱን ሓገዝ ግን ዝዓቕሞም ይህቡ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ጸገም እቶም ነበርቲ ከምዝፈልጦ ዝገልጽ ኣቶ እሸቴ ”ምንም ነገር የብልናን” ብምባል ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡

”መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ይሕግዝ እዩ ዘሎ፤ ካብ ፌደራል ዝመጽእ ረዲኤት ግን ፍትሓውነት የብሉን” እውን ኢሉ፡፡

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ዝተሰደዱ እንትኾን፡ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተፈናቒሎም ከምዘለዉ ጸብጻባት ጊዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ የመልክቱ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 91 ምኢታዊት ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ትግራይ ከምቲ ኣብ 1977 (1985)ኣጋጢሙ ዝነበረ ዓጸቦ ከጋጥም ከምዝኽእል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ስግኣቱ ገሊጹ፡፡

ስግኣት እቶም ዜጋታት እንታይ እዩ?

እቲ ኲናት ምስተጀመረ፡ ብዙሕ ሰብ ገዝኡ ገዲፉ ናብ ሱዳንን ናብ ካልኦት ከባታት ትግራይን ከምዝኸደ ዝገልጹ፡ እዞም ርእይቶኦም ንቢቢሲ ዝሃቡ ነበርቲ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ፡ ንሳቶም ግን ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ እዩ ብዝብል ተስፋ ኣብ ከባቢኦም ከምዝጸንሑ ይዛረቡ፡፡ ኮይኑ ግና ዘይተኣከበ እኽሎምን ከብቶምን ካብ ጎረቤት ከባቢታት ብዝመጹ ዕጡቓት ከምዝተወሰደ ይገልጹ፡፡

”እቲ እኽሊ ካብ ዓውዱ እዮም ወሲዶምዎ፤ እተን እንስሳ ካዓ ሰለስተ ኣርባዕተ ዕጡቕ እናኾኑ ብሓይሊ፡ ንበዓል ከብቲ እናወቕዑ፡ ናይ ብዓዱ ወሲዶምወን እዮም፡፡

“ናተይ 30 ከብቲ ተወሲደናኒ፤ ልዕሊ ምኢቲ፡ ክልተ ምኢቲ ዝተወሰዶም ኣለዉ” ዝብል ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ እቲ ነባሪ፡ ነቶም ዝዘመትዎም ሰባት ከምዝፈልጥዎምን እንተኾነ ፍትሒ ክህቦምን ከድሕኖምን ዝኽእል ኣካል ከምዘየለ ተዛሪቡ፡፡

ኣብዚ እዋን ድማ ዝነበሮም እኽሊ ከምዝተወደአ ብምጥቃስ ”ንሱ ሓሊፉ ኣሎ፤ ሐዚግን ሰብ ዝብላዕ የብሉን፡ ብኸብዱ ተታሒዙ” ብምባል ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ተዛሪቡ፡፡

ኣብቲ ኣብ መስመር ዓዲ ጎሹን ሑመራን ዝርከብ ከባቢ ዝነብር ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ብግዲኡ፡ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ገሊጹ፡፡

”እተን ጥሪት ወሲዶምወን፡፡ እቲ እኽሊ እውን ካብ ናይ ሕርሻ ቦታ ወሲዶምዎ፡፡ ሽዑ ምስኦም ተጓይና ዝኣከብናዮ ክሳብ ሕጂ ክንበልዕ ጸኒሕና፤ ሕጂ ግን እተን ዝነበራ ከምዘለዋ ተወዲአን፡፡ ከይንኸይድ ኣብ መገዲ ከይንመውት ኢልና ፈሪሕና፡ ሐዚ ግን ጠቕሊሉ ጥምየት መጺኡና፡፡ እንተኼድካ ጥይት ኣብዚ ኮፍ እንተበልካ ጥምየት ኮይኑ ጸጊሙና” ኢሉ፡፡

”ኣብቲ መስመር ስለዝኾንና፡ ስርናይ ተጻዒነን ዝሓልፋ መካይን ንርእየን ኢና፡፡ ጠጠው ኢሉ ከዛርበና ዝኽእል ኣካል ግን የለን” ዝብል እዚ ነባሪ፡ ሓገዝ ናብ ዝርከበሉ ከባቢታት ከይኸዱ ከምዝኽልከሉን፡ ክኸዱ እንተተረኺቦም ክሳብ 5 ሽሕ ብር ከምዝቕጽዑን ገሊጹ፡፡

”ኩሉ ናብ ሞት ተቐሪቡ ክትብሎ ትኽእል፤ አዒንቱ ቐዪሩ፡፡ ከቢድ ኮይኑ” ብምባል ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ እንተዳኣ ዘይረኺቦም ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ሓቢሮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ብመንነቶም ብዙሕ ጸቕጢታት ከምዝበጽሖም እዮም እቶም ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ ዜጋታት ዝገልጹ፡፡

ኣብቲ ከባቢ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ‘ዋላ ውሱን ይኹን’ ሓገዝ ይህብ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ እሸቴ ” ካብ ፌደራል ዝመጽእ ሓገዝ ግን ፍትሓዊ ኣይኮነን፤ ኲናት ብማዕረ ዝተኻየደሉ ቦታ እናሃለወ፡ ሓገዝ ናብ ትግራይ እዩ ዝኸይድ ዘሎ” ይብል ኣይተ እሸቴ ደምለው፡፡

ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ከምዝፈተኑ ብምግላጽ ድማ ”እኹል ኣይኮነን” ኢሉ፡፡

እቲ በቶም ነበርቲ ዝቐረበ ስግኣት ጥምየት ከምዝፈልጦ ዝገልጽ ኣቶ እሸቴ ”እቲ ሓገዝ ንኹሎም በጺሕዎም ማለት ኣይኮነን፡፡ ናብ ክልል ትግራይ ርዳእታ እንትመጽእ ነቶም ከባቢታት እዩ ረጊጹ ዝሓልፍ፤ ናብኣቶም ዝመጸ ይመስሎም፡፡ ሕቶ የቕርቡ እዮም፤ ከየዳመጽናዮም ተሪፍና ኣይኮነን፡፡ ንሰምዕ ኢና ግን ምንም ነገር የብልናን” ክብል ልዕሊ ዓቕሞም ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ተፈጺሙ ዝበሃል ተግባር ዘረፋ ብዝምልት ድማ ”ንብረት ጠፊኡኒ ዝብል እንተሃልዩ፡ ጥርዓን የቕርብ፡፡ ብኡ መሰረት እንምልሰሎም ኣለዉ፡፡ ግን ድማ ዘይነበሮም እውን ነይሩና ዝብሉ ኣለዉ፡፡ ትግራዋይ ስለዝኾነ ዝተፈለየ በደል ዝበጸሖ የለን” ዝብል እቲ ኣመሓዳሪ፡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ዝኾነ ዓይነት በደል ከምዘይፍጸም ገሊጹ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ካብቲ ከባቢ ‘ከይንንቀሳቐስ ተኸልኪልና’ ዝብል ቅሬታ እቶም ነበርቲ ” ክንከይድ ኢና እንትብሉ፡ ግደፉ፡ መንበሪኹም ኣብዚ እዩ፤ ህዝቢ ኣምሓራ ሓውኩም እዩ፡ ኣይትኺዱ ኢልና ነዘራርቦም ኢና፡፡ ክንከይድ ኢና እንተይሎም ግን ክኸዱ ይኽእሉ እዮም” ብምባል ክልከላ ከምዘይተገበረ እቲ ኣመሓዳሪ ‘ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን’ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ምንጪ፡ ቢቢሲ ትግርኛ