ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታን ንዝተመዛበሉ ዜጋታት መጽለሊ ንምስራሕ ልዕሊ 21 ነጥቢ 1 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንነዘ ልዕሊ 233 ሽሕ ህዝቢ መብዛሕቲኤን ቤት ትምህቲ ኣብ ዝኮና 53 ቦታትት ሓገዝ ክግበረሎምም ዝጸነሐ ኮይኑ እንተኾነ ግን እቲ ሓገዝ ይውዳእ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ሰባት መሕደሪ ስኢኖም ኣብ ደገ ይድቅሱ ከምዘለው ዘፍለጠ እቲ ትካል ነዞም ተፈናቀልቲ ወገናት መጽለሊ ንምስራሕን እቶም ዘለው ንምጽጋንን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከም ዘድሊ ኣፍሊጡ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ወርሒ ሓምለ 70 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ ዝነበረ እንትኸውን በቲ ዝተገበረ ጻዊዒት ክሳብ ሐዚ 31 ነጥቢ 7 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸር ህዝቢ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ እንትኸውን ኣብ ዝተፈላለያ ቤት ትምህርትታት ኣዕቑቡ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ በዝሒ ተመዛበልቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ እንትኸውን ነዚ ሓገዝ ንምግባር ድማ ዝተፈላለያ ዓለም ለኻውያን ትካላት ሓገዝ ገንዘብ ክገብሩ እውን ፀዊዑ።