ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ስርዓት ጥዕና ትግራይ ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ሰብ ሞያ ጥዕና ገሊፆም

ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ስርዓት ጥዕና ትግራይ ኣብ ሓደጋ ምእታው ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ሰብ ሰብሞያ ጥዕና ንኣኽሱማይት ሚዲያ ገሊፆም። ካብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት ትግራይ ንመቐለ ንሕክምና ዝመፁ ብወገኖም ንከቢድ ስቓይን ሞትን ይቃልዑ ብምህላዎም ማሕበረሰብ ዓለም ንሰብኣዊነት ክብል ካብ ቃላት ዝዘለለ ስጉምቲ ክወስድ ፀዊዖም።

ወይዘሮ ማርታ ስምሙ ወደን ኣብ ከብዱ ሕበጥ ወፂእዎ ብምሕማሙ ብሰብ ሞያ ራጂ ክረአ ተፃሒፉለን ካብ ውቕሮ ማራይ ናብ ኣኽሱም ከይደን። ዋላ እኳ ገንዘብ ካብ ቤተሰበን ተለቂሐን ወደን ንምድሓን እንተፀዓራ ኣብ ኣኽሱም ዝነበረ መሳርሒ ራጂ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ብምዕናው ናብ መቐለ መፂአን ኣብ ሓደ ቤት መድሓኒት ኢና ረኺብናየን።

ወይዘሮ ማርታ ኣብ መቐለ ዝወሃብ ዝነበረ ግልጋሎት ራጂ ብምኽንያት እቲ ብስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተገበረ ዕፅዋ ዘድልይዎ እታወታት ስለ ዘይተማልኡ እቲ ግልጋሎት ክረኽባ ዘይምኽኣለንን ኩነታት ጥዕና ወደን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ምህላውን ይሕብራ።

‘’ቆልዓ ሓሚሙኒ ኣብ ከብዱ ሕበጥ ወፂኣቶ። ባንኪ ስለዝተዓፀወና ንመሐከሚኡ ዝኸውን ገንዘብ ክረክብ ኣይክኣልኩን። ንብዓል ገዛይ ሓትንኡ 10 ሽሕ ኣለቂሓትኒ ዝሕመመ ወደይ ከሐክም ኢለ ንኣክሱም መፂአ። ካብ ኣክሱም ድማ ናብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደርን ላዕለዋይ ክሊኒክ ኣሉላን መፂአ። ኩሎም እቲ መመርመሪ አምሳርሒ የለን ትገብርዮ ነገር የብልክን ኪዲ ኢሎም መሊሶምኒ። ኣማራፂ የብለይን ፅባሕ ክምለስ እየ” ይብላ።

ኣብ ሆስፒታል ዓይደር እትሰርሕ ሲስተር ሃርያ ገብረመድህን ኣብ ትሰርሓሉ ትካል ግልጋሎት ላብራቶሪ መሳለጢታት ምርመራ (Reagent) ብዘይምህላው ትካሎም ዝበዝሑ ግልጋሎታት ምርመራ ምቁራፁ ሓቢራ።
ሲስተር ሃርያ “ኣብዚ ሐዚ ሰዓት እቲ ዋና መመርመሪ መሳርሒ (ረጀንት) የለን። ዝመፅእ እውን የለን። እተን ዘለዋ ዘይረብሓ ኣቑሑ ጥራሕ ኢና ንጥቀም ዘለና። ነቲ ዝበዝሕ ንሕክምና ዝመፅእ ኣብ ስቓይ ሕማም ዝርከብ ሰብ ምርመራ የለን እናበልና ኢና ንመልሶ ዘለና። ናይ መመርመሪ መሳርሒ ቀረብ የለን። ብሰንኪ እዙይ ህይወት ከስእኑ ዝኽእሉ ነገራት እናተኸሰቱ እዮም ዘለው” ክትብል ገሊፃ።

ሆስፒታል ዓይደር ካብቲ ቀዲሙ ዝህቦ ዝነበረ ግልጋሎት ምርመራ ብሰንኪ ሕፅረት መሳለጥታት ምርመራ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ልዕሊ 50% ከምዝተቛረፀ ኣብሪሃ። ወሲኻ እውን እቶም ምርመራ ሆርሞን ፣ ክፍልታት ምርባሕ ሆርሞን፣ ታይሮይድ፣ መጠቆሚ ካንሰርን ካርዳይክን እንሰርሓሎም ዝነበርና ናይ ሓባር ናውቲ ሕክምናን ማሽንን ስለየለዉ ብሆርሞን ብኬሚስትሪ ዝስርሑ ስራሕቲ ምርመራታት ኩሎም ጠጠው ኢሎም እዮም ትብል።

ወዱ ከሐክም ካብ ዓድዋ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ዝመፀ ኣይተ ወልደኪዳን ገብረመድህን ድማ ሒሳብ ቁፅሩን ባንክን ብምዕፃው ዝነበሮ ገንዘብ ህይወት ወዱ ንምድሓን ክጥቀምሉ ብዘይምኽኣሉ ብሓዘን ይገልፅ። ገሊፆም። ኣኽሱማይት ሚዲያ ኣብ ከተማ መቐለ ዝረኸቦ ኣይተ ወልደኪዳን ካብ ዓድዋ ነምቐለ ክጉዓዝ ከሎ ገንዘብ ሃልይዎም ባንኪ ብምዕፃው ጥራሕ ንመጓዓዝያ ክፍሊት ብዘይምኽኣሎም ናብ ሕክምና ክመፁ ዘይከኣሉ ብዙሓት ሰባት ከምዝተዓዘበ ይዛረብ።

ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ስፔሻሊስት ሓኪም ህፃናት ዶ/ር ዳዊት ስዩም ሕፅረት ምግቢ ንባዕሉ እቲ ዝኸበደ ሕማም ብምዃኑ ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ሰብ-ሰራሕ ዕፅዋ ሕብረተሰብ ንኒሞንያ፣ ሞት ዕሸላት፣ ተቕማጥ፣ ዓሶን ካልኦት ሕማማትን ይቃላዕ ምህላው ሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ነብሰ-ፁር ኣዴታት ዘጋጥም ዘሎ ዓፀቦ ትሑት ክብደት ዕሸላት ክውለዱን ምስተወለዱ ዘድሊ መድሓኒት ስለዘይረኽቡ ንሞትን ንተደራቢ ሕማማት ክቃልዑን ይገብር ምህላው ኣብሪሁ።

ዶ/ር ዳዊት መብዛሕትኡ ግዜ ተሓከምቱ መድሓኒት ስኢኖም ናብ ጭንቂ ዝኣተውሉ ኩነታት ከም ዘሕዘኖ ይገልፅ። “እዙይ መድሓኒት ግዛእ ክበሃል ከሎ ስኢነ የለን ኢሉ ክመፅእ እንተሎ ከም ሓደ ውልቀ ሰብ ብሓቂ ብጣዕሚ ብጣዕሚ እዩ ዝሓዝን፣ ዝጉሂ’’ ይብል ዶ/ር ዳዊት።

ተሓከምቶም ኣብ ጭንቂ ስለዘልው እቶም ሓካይም እውን ኣብ ከቢድ ኣእምራዊ ጭንቂ ከምዝኣተዉ፣ ኣብ ማሕበራዊ ርክቦም ፀቕጢ ከምዝፈጠረሎምን ስራሕቶም እውን ኣሳልጦ ከይህልዎ ከምዝገበሮምን ዶ/ር ዳዊት ይዛረብ። ሰብ ክነድሕን ኢልና ሰኣን ሙሉእ ኣቕርቦት ወገናትና ክሳቐዩን ክሞቱን እናርኣና ክንሕግዝ ብዘይምኽኣልና ንዓርስና እውን ናብ ጭንቂ ኣቲና ሕክምና ዘድልየና ኮይንና ንርከብ ይብል።
ኣብቲ ሆስፒታል ሓላፊ ትራንስፖርትን ስምሪትን ኣይተ ባህረ ምሩፅ ብወገኑ ነዳዲ ብዘይምህላው እቲ ትካል ንግልጋሎት ድንገተኛ ሕክምና ሕሙማት ንምምልላስ ይጥቀመለን ካብ ዝነበረ 11 ኣምቡላንስ እተን 4 ጥራሕ ግልጋሎት ይህባ ምህላወን ጠቒሱ። በዚ ድማ ህፁፅ ድጋፍ ዘድልዮም ድንገተኛ ተሓከምቲ ንዝኸፈአ ሓደጋ ይቃልዑ ምህላዎም ኣብሪሁ። ብምኽንያት እቲ ዕፅዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምቁርራፅ መብራህቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን እቲ ሆስፒታል ዝጥቀመሉ ጀነሬተር ነዳዲ ተሳኢኑ ስለዘይሰረሐ ግልጋሎት ሕክምና ንነዊሕ እዋን ምትእጉጓሉ ገሊፁ።

ወይዘሮ ማርታ ስምሙ እቲ ካብ ውቕሮ ማራይ ክሳብ መቐለ ዝተጓየያሉ ሕክምና ወደን ስለዘይሰለጠን ኩነታትን መፃኢ ዕፃን ወደን ኣዝዩ ኣሻቒሉወን ከም ዝርከብ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኮይነን ይገልፃ። “ኩሉ ነገር ኣፀጊሙዎ እኒኦ እምበር እንድዒ… ከምዚ ከማይ እንተኾይኑ ዳርጋ ኣብ ዓለም ዘየለኻ ማለት እዩ። ኣዕቢኻ ኣዕቢኻ ወድኻ ሓቢጡ ተነፊሑ ሕክምና ዘየለ ምዃኑ ክትርኢ ከለኻ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝነካ። ኣማራፂ የለን” ኢለን።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣኽሱማይት ሚዲያ ዘዛራረባ ብዓልቲ ሞያ ፋርማሲ ዛይድ ኪዳነ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተበየነ ዕፅዋ ቀረብ መድሓኒት ብምቁራፁ ሕብረተሰብ ኣብ ከቢድ ፀበባ ከም ዝርከብ ትገልፅ። ብፍላይ ከም ሽኮርያ፣ ድፍኢት ደምን ካልኦት ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ተሓከምቲ መድሓኒት ብዘይምርካቦም ይሞቱ ከምዘለዉ ትምስክር። ንተገልገልቲ ‘’መድሓኒት የለን’’ ዝብል ምላሽ ክትህብ ከላ ሕማቕ ስምዒት ከምዝስምዓን ንምባሉ ኣዝዩ ዘሰክፍን ምዃኑ ትገልፅ።

ገለ ገሊኡ መድሓኒት ድማ ዋላ እኳ ይሃሉ ሰብ ዝገዝኣሉ ገንዘብ ስለዘይብሉ ጥራሕ ኢዱ ሃቡኒ ክንለካ ይመፅእ ‘’ሽዑ ኣዚኻ ትጭነቕን ትፍተንን’’ ትብል። ዝበዝሕ ግን እተስ ተለቂሑ እንተስ ለሚኑ መድሓኒት ክገዝእ ይመፅእ እሞ መድሓኒት የለን ክትብሎ ከለኻ ዘሎ ቃንዛን ሕማቕ ስምዒትን ምፍጣርካ ዘፅልእ ብግፍዒ ዘላእትና ድማ ትሓስቦ ይጠፍኣካ ክትብል ነቲ ዘሎ ኹነታት ጸገም ሕፅረት መድሓኒት ዛይድ ትገልፆ።

ወይዘሮ ማርታ ማሕበረሰብ ዓለምን ንሰብኣዊ ግልጋሎት ዝተጣየሻ ትካላትን ግዜ ኣዕርዩ ከይረፈደ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ብምልዓል ብምኽንያት ሰብ-ሰራሕ ጥሜትን ሕፅረት መሰረታዊ ግልጋሎትን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ህዝቢ ንምውሓስ ብዕቱብ ክሰርሑ ተላብየን።

ኣብ ትግራይ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ንሞትን ተላበድቲ ሕማማትን የቃልዕ ምህላው ዘዘኻከረት በዓልቲ ሞያ ፋርማሲ ዛይድ ኪዳነ እውን “ሰብ ዝገብሮ ሃርቢቶዎ ኣብ ኢዱ ሰብ ይሞቶ ኣሎ፣ ዓለም ክበፅሓልና ኣለዎ’’ ክትብል ትምሕፀን። ስፔሻሊስት ሓኪም ህፃናት ዶ/ር ዳዊት ስዩም ብወገኑ ማሕበርሰብ ዓለም ህይወት እቲ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ ንምድሓን ካብ ቃላት ዝዘለለ ስጉምቲ ክውስድ ከምዘለዎ ይሓትት።