ሕብረት ኣውሮፓ፡ ቅልውላው ኲናት ትግራይ ንምህዳእ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ክኣቱ ንሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ።

ኣባላት ባይቶ ሕብረት ኣውሮፓ፡ ብኲናት ኣብ ዝተሃሰየ ከባቢ ዘለው ህዝብታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምእንታን ክበፅሖም እቲ ኲናት ብህፁፅ ደው ክብል ሓቲቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ሕገ መንግስቲ ክትግበር፣ ስምምዕ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል መስርሕ ሜላ ክትትል ስርዓትን ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝግባእ ክባፃሕን ምስራሕ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ኣባላት ባይቶ ሕብረት ኣውሮፓ፡ ብ618 ደገፍ፣ 4 ተቓውሞን 58 ድምፀ ተኣቅቦን ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳተፍቲ ደው ከብሉ ማለት እውን ከባብያውን ክልላውን ኣካላት፣ ምግቢ፣ መድሓኒትን ነዳድን ኣገልግሎት ክጅመር ከምዘለዎ ገሊፆም።

ከምኡ እውን ብኩሎም ሓይልታት ዝተፈፀመ ገበናት ህፃናት ካብ ምስታፍን ፆታዊ ዓመፅን ምፍፃሙ ኣዚዩ ከምዘሕዘኖ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ኲናት ዝያዳ ከጎሃህሩ ካብ ዝኽእሉ ተግባራት ክዕቀቡ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ብምዃኑ እውን ብሕታዊ መፍትሒ እቲ ጎንፂ ዘተ ሰላም ከምዝኾነን ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 እንተዘይተመሓይሹ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ትግራይን ካልኦት ኢድ ዘለዎም ኣካላትን እገዳ ከምዝገብር ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ንዘለው ወገናት ነዚ ተሓታትነት ከምዘስዕብን ነቲ ግጭት ዘጋድድ ኣካል ተወሰኽቲ ሰባትን እቲ እገዳ ከምዝገብር ገሊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ሕብረት ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ብህፁፅ ደው ክብል እንዘይኮይኑ ግን እገዳ መሳርሒ ኲናት ሓዊሱ ካልኦት እገዳታት ንምትግባር ውሳነ ሓሳብ ከምዘፅደቐ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ።

እቲ ውሳነ ሓሳብ ባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራትን ሕቡራት ሃገራትን፡ ኲናት ትግራይ ንምህዳእ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ናብ ከዋፍርን ከእቱን ከምዘለዎ ዝሓትት እውን እዩ።

ብተመሳሳሊ ባይቶ ሕብረት ኣውሮፓ፡ ኣባላት እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጉድኣትን ሰብኣዊ መሰል ንምግሃስን ኣብ ረብሓ ንኽውዕል ተባሂሉ ዝለኣኽ መሳርሒ ኲናትን ቴክኖሎጂ ስለያን ናብ ኢትዮጵያ ካብ ምልኣኽ ክቑጠባ ድማ ኣተሓሳሲቡ።