ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንተወለድቲ ትግራይ ብኻራ ሓሪዶም እንትቐትልዎም ዘርኢ ምስሊ ብምዝርጋሕ ስነ ልቦና ተወለድቲ ትግራይ ንምትንካፍ ይሰርሑ ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጅ ጀሚሩ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሰብ ይፍፀሙ እዪም ዘይበሃሉ መስካሕካሕቲ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ቅሉዕ መንነታዊ ምጉናይ እናካየደ ዝፀንሐ እንትኾን ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመለሱን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ይነብሩ ዝነበሩ ተጋሩን ብምእሳር ምሩኻት ኲናት እዮም እናበለ ከርእዮም ፀኒሑ እዩ።

ኣብቲ ትማልን ሎምን ክዘውር ዝረአይ ምስሊ ድማ ድንቢ ክዳን ሰራዊት ትግራይ ዝተኸደኑ ተጋሩ ኣገዲሞም ብካራ እንትሓርድዎም የርእይ።

እቶም ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝረአዩ ተጋሩ ናይ ብሓቂ ኣብ ኲናት ዝተማረኹ ይኹኑ ወይድማ ደምቢ ክዳን ሰራዊት ትግራይ ዝኸደንዎም ሲቪላት ዘይተረጋገፀ እንትኾን ብ ዓለም ለኸ ሕጊ ይኹን ሰብኣውነት ውጉዝ ዝኾነ ተግባር ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሕጊ ዓለም ለኸን ተሓታትነትን ዕሽሽ ብምባል ስነ ልቦና ተጋሩ ንምስባር ባዕሎም እቶም ወታደራትን ደገፍቲ እቲ ስርዓትን ይብትንዎ ከምዘለዉ ድማ ንምፋላጥ ተኻኢሉ እዩ።