ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ንዝሓዞ መርገጺ ከዕሪ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ከምዝጸሓፈ ተፈሊጡ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ተጋሩ (GSTS) ዝሓለፈ ዓርቢ 12 ጥቅምቲ ን ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፤ ብዘዓባ እቲ ምፅናት ዓሌት ዝፍፀመሉ ዘሎ ኲናት ትግራይ ዘለዎ ቅዋም ከዐሪ ዝፅውዕ ደብዳበ ፅሒፉ።

እዚ ትካል ኣብቲ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ ኣብቲ ዓመት ክመልኦ መዓልትታት ዝተረፎ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅልኣታዊ ዘረባታት ይንዝሑ ምንባሮም ንዘረባ ዳኒኤል ክብረት ጠቒሱ ዝሓበረ እንትኾን ቅድሚ ሐዚ ናብ ኢትዮጵያ መፅዩ ዝነበረ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ፊንላድ ድማ “ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ኣብ ሓላፍነት ዘለው ሰባት ዕላምኦም ተጋሩ ንምጥፋእን እንተንኣሰ ንዝቕፅል 100 ዓመት ከምዘይትስኡ ንምግባር ምዃኑን ነጊሮምኒ እዮም ምባሉ ይገልፅ።

ብተወሳኺ ድማ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ መተሓላለፊ መንገዲ ብምህላዋ ህዝቢ ንጥምየት ብምቅልዑ 900 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጥምየት ከምዝርከብን ከባቢ 180 ሽሕ ተጋሩ ድማ ብዘለዎም ሕዱርን ዘይተመሓላለፍን ሕማም ሕክምና ኮነ መድሓኒት ክረኽቡ ከምዝረይኸኣሉን ጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት ከምተጠቐመን እተን ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ድማ ኮነ ተባሂሉ ን HIV ን ካልኦት ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ከምዝተቓልዓ ዝጠቐሰ እዚ ትካል ኣብ ዝተፈላለያ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጋሩ መንነቶም መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምግፋዕን ይበፅሖም ምህላው፤ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 17,800 ኣባላት ምክልኻል ሃገር ዝነበሩን ልዕሊ 7 ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ዝነበሩን ኣብ ማእሰርቲ ምህላዎም ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተመለሱ ተጋሩ ምሩኻት ኢሉ ምቕራቡ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተጋሩ መንነቶም ምኽንያት ብምግባር ጥራይ እናተቐተሉ ናብ ሩባ ከምዝድርበዩን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝወፁ ፀብፃባት እኳ 50 ሬሳ ተጋሩ ኣብ ሩባ ተከዘ ሰፈፍ ኢሉ ከም ዝተረኸበ እቲ ደብዳበ ይጠቅስ።

ብምቕፃል ድማ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግናሕን ዘይሻራውን ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርምራ ምስታፉ ኣግባብ ከምዘይኮነን ኣብ ኣክሱም፣ ማሕበረዴጎ፣ደብረ ኣባይ፣ ማርያም ደንጎላት፣ ቶጎጋን ካልኦትን ዝተፈፀሙ ጨፍጫፋት ብ ዓለም ለኸ ኣፃራይ ኣካል ክምርመሩ ፀዊዑ።

ብምዃኑ እውን ኩሎም ኣብዚ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት እቲ ጎንፂን ተኹስን ደው ከብሉን ናብ ኣሳታፋይ ዘተ ክኣትዉን ፅዕንቶ ክግበር ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ኩሎም መስርሓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ UNSC 2417 ሓዊሱ ኣብ ተግባር ክውዕሉ፣ እቲ ዕፅዋ መንገዲ ብዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ክፍታሕን ዘይተገደበ ሓገዝ ናብ ሙሉእ ትግራይ ክበፅሕን፣ መምርሕታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት እውን ሰብኣውነት፣ ዘይሻራውነትን ዘይፅግዕተኝነትን ክኽበሩን ሰብኣዊ ሓገዛት ብ ነፈርቲ ዝኣትወሉ መንገዲ ምንዳይን ከምዝግባእ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘቋረፆም መሰረታዊ ግልጋሎታት መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔት፣ባንኪን ናይ መሬትን ኣየርን መጓዓዝያ ንክኸፍት ፅዕንቶ ምግባር፣ ከምኡ እውን ብመሰረት ውሳነ 47/13 ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ንሓይሊ ኣምሓራን ምሊሻን ካብ ምዕራብ ትግራይ ብህፁፅ ክወፁ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ከምኡ እውን እቲ ሐዚ ብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ሓባራዊ ምርመራ ደው ክብልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ብዘይ ሻራዊ ኣካል ክምርመሩን ፀዊዑ።

ብተመሳሳሊ ብመሰረት ውሳነ 1888 ልዕልነት ሕግን ፆታዊ ጥቕዓትን ዝምርምር ልኡኽ ክስደድ፣ ሑቡራት ሃገራት ዘይሻራዊ ንምምሳል ዝገብሮ ፃዕሪ ገዲፉ ነቲ ፃውዒት ሰላም ዝነፀገ ኣካል ከቃልዕን UNSC ብዘዓባ እቲ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን እናገደደ ዝመፅእ ዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዛት ብ ዕላዊ መንገዲ ክዝትየሉን ዝብሉ ነጥብታት ከምዘልዓለ ገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ትግራይ ኣድላይ ሓገዛት ክገብር ድልዉ ምዃኑ ገሊፁ።