ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብርክት ዝበሉ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ባፅዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገዓዙ ንምንጭታት ብምጥቃስ ራድዮ ኤረና ፀብፂባ።
እቶም ወተሃደራት ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ሓሙስ 16 ክሳብ ሰሉስ 20 መስከረም 2021 ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዓበይቲ መኻይን ተፃዒኖም ናብ መዕረፎ ነፈርቲ ባፅዕ ከምዝኣተው ተሓቢሩ።
ቀፂሉ ድማ ብነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተሳፈሩ ተገሊፁ።
ቅድም ኢሉ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ባፅዕ ዝዓልባ ነፈርቲ መጓዓዝያ ኣየር ኢትዮጵያ መብዛሕቲኡ እዋን ተሳፋሪ ዘይብለን ይመላለሳ ከምዝነበራን ሓልሓሊፉ ድማ መንነቶም ዘይተፈልጡን ገለ ወትሃደራዊ ክዳን ገሊኦም ድማ ሲቪል ዝተኸድኑ ሰባት ይወርዱ ከምዝነበሩ ኣብሪሃ።
ብምዃኑ እውን እቶም ካብ ኤርትራ ባፅዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገዓዙ ወትሃደራት ኤርትራ ናይ መወዳእታ ዝወፈርሉ ተልእኾ ዋላ እኳ እንተዘይተነፀረ እንተኾነ ግን ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዓፋርን ኣምሓራን ክፃወር ዘይከኣለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሕግዙ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ልዕል ግምት ኣሎ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ምስ ትግራይን ክልል ዓፈርን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ብበዝሒ ከምዘሎ እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣቃሊዓ።
ሰራዊት ኤርትራ፡ ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ካብ ጅምላዊ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዕንወትን ምዝማትን ትካላት ብምውፋር ሰፍ ዘይብል ገበናት ኲናት ዝፈፀመ እንትኾን ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ተሰሊፉ ዕላማ ዘይብሉ ከንቱ ሞት ይመውት ከምዘሎ ይግለፅ።