ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ኣመሪካን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገጽ ስለዝኸልእዎ ካልኦት ክሕግዝዎ ዝኽእሉ መሓዙት ሃገራት ኣብ ምእላሽ ተጸሚዱ ከምዝርከብ ፕሮፌሰር ሸትል ትሮንቮል ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዘለዎ ርክብ እናሓርፈፈ ኣብ ዝመፀሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብዚ ኵናት ተዓዊቱ ንኽወጽእ ካልኦት መሓዙት እናኣለሸ ይርከብ።

ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮፓን እቲ ኲናት ደው ንክብል ፅዕንቶ ንምፍጣር ኣብ ክልቲኦምም ሓይልታት እገዳ ክገብሩ ምዃኖም ኣጠንቂቖም እዮም።

እዚ ድማ መንግስቲ ቀልቡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክገብር ከምዝገበሮ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ኦስሎ ኒው ዩንቨርሲቲ መምህር ኣተኣላልያ ጎንፂ ዝኾነ ሸትል ትሮንቮል ገሊፁ።

” መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኢራን፣ ቱርክን ቻይናን ኣፅዋር፣ ካብ ሳዑዲ ዓረቢያን ዩናይትድ ዓረብ ኤምሬትስን ናይ ገንዘብ ልቓሕ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ድጋፍ ካብ ሩሲያን ቻይናን ብምርካብ ብዘይ ምዕራባውያን ዝደለዮ ነገር ክገብር ከምዝኽእል እዩ ዝሓስብ።

ነዚ ድማ ቻይናን ሩስያን ነቲ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወፀአ ወሳነ ሓሳብ ምቅዋመን ከም ኣብነት ምልዓል ይከኣል።” ክብል ገሊፁ።

ፕሮፌሰር ትሪንቮል ብምቕፃል ዋላ’ኳ ክሳብ ሐዚ ብግልፂ ዝተረጋገፀ ነገር እንተዘይሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ልዕልና ንክህልዎን ኣብ ትግራይ ደብዳባት ንምክያድን ስራሕቲ ኢራንን ቱርክን ዝኾና ድሮናት ከምዝረኸበ እሙናት ምንጭታት ከምዝሓበሩ ገሊፁ።

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መፀ “ናይ ቀረባ ሜላዊ መሓዛ” ገይሮም ሓሲቢምዎ ነይሮም።

ነታ ኣብ ከባቢ ወሳኒ መተሓላለፊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ማእኸል እስላማዊ ምንቅስቓስን ምንጪ ናብ ኣውሮፓ ዝሰግሩ ስደተኛታትን እትርከብ ኢትዮጵያ “ቁልፊ ናይ ድሕንነት መሓዛ” ገይሮም ይሪእዋ ከምዝነበሩ ዝገለፀ ፕሮፌሰር ትሮንቮል

እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ርክብ ከምዝሓርፈፈን ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ጨፍጫፋትን ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥምየትን ኣጥቢቖም ክነቕፍዎ ምጅማሮም ይገልፅ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ሓላፊ ጉዳያት ፖሊሲ ዝኾነ ጆሴፍ ቦሬል
“ገበናት ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍፀሙ ጥሕሰት መሰላትን ከም መሳርሒ ኲናት ብዝጥቀሙ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈፂሙ እዩ።” ክብል ገሊፁ ነይሩ።

ፕሬፌሰር ትሮንቮል ብወገኑ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድፍኢት ይገብር ምህላው ይገልፅ።

ኣብ ትግራይ ምፅናት ዓሌት ምፍፃሙን ዘይምፍፃሙን ሕጋዊ ምርመራ ንክግበር ትእዛዝ ብምሕላፍ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ን ኢትዮጵያ ዝህብዎ ልቓሕ ንግዚኡ ደው ከብልዎ ብምግባር ፍርያተን ካብ ቐረፅ ናፃ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ካብ ዝልእኻ ሃገራት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝርዝር ክትወፅእ ምሕሳቦም ነታ ሃገር ናብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘእትዋ ገሊፁ።

እቲ ኲናት ደው ንክብል ፅዕንቶ እንትግበር ተሰማዕነት ንምትካብ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክተጠንክር ይግብኣ ነይሩ ሐዚ ግና ብ ኣንፃሩ እዩ ዝኸውን ዘሎ ብምባል ፕሮፌሰር ትሮንቮል ገሊፁ።