ናብ ዓዉደ ኲናት ኣይንኣቱን ዝበሉ ቡዙሓት መናእሰይ ኢትዮጲያ ክርሸኑ ከምዝረኣየ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝተማረኸ ተወላዲ ኦሮሞ ገሊፁ።

ሙዲን ቃሲማ ተወላዲ ብሄር ኦሮሞ ኮይኑ “ሃገርኩም ብጁንታ ተወሪራ ታይ ትገብሩ ኣለኹም ብዝብል ተደፋፊአ እየ ናብዚ ሓዊ እዚ ኣትየ” ይብል።

ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞን ደቡብን ድማ ኣብ ዘይፈልጥዎ ኲናት ኣትዮም ቀለብ ኣሞራ ከምዝኾኑ ዘለዉ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኦሮሞን ደቡብን ፅዕቕ ዝበለ ቁፅፅር ከምዝገብሩን ናፅነትን እምነትን ከምዘይብሎምን ዝገለፀ ሙዲን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ግን ዝደለይዎ ናይ ምፍፃም ምሉእ መሰል ከምዘለዎም መስኪሩ።

ሓደ እዋን ገንዘብ ከዉፅእ ናብ ባንኪ ቤት እንትኸድኩ መለለዪ ታሴራይ ሪኦም ትዉልዲ ቦታ ኦሮሞ ስለ ዝብል “ንስኻ እማ ካብዚ ክትሃድም ደሊኻ ኢኻ ኢሎም ፖሊስ ፀዊዖም ንኮምቦልቻ ኣብፂሖምኒ” ክብል ይገልፅ።

ተወለድቲ ኦሮሞ ደቡብን ካልኦት ብሄርብሄረሰባትን ብርክት ዝበሉ ግፍዕታት ከምዝፍፀምን ንድሕሪት እንተይሎም ድማ ከምዝርሸኑ ተዛሪቡ።

ብስነ ምግባር ሰራዊት ትግራይ ዝተገረመ ሙሩኽ ሙዲን “ሰራዊት ትግራይ ቅድሚ ምትኳሶም ኢድኩም ሃቡ እዮም ዝብሉ ቋንቋ ዘይኽእሉ ንኽሃድሙ ኣብ ዝፈተኑ ወታደራት ግን ስጉምቲ ይዉሰደሎም ኣነን መሓዙተይን እኳ ብቛንቋኹም ኢድ ሃቡ በልዎም ኢሎምና ናይ ቡዙሓት ወታደራት ብሂወት ኣትሪፍና ኢና” ክብል ይገልፅ።

እቲ ብመራሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትየቀጲያ ኮነ ሰበ ስልጣናት ኢትዮጲያ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዝንዛሕ ወረያ ወረ ስም ምጥፋእን ኢድ ሰራዊት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ምስባር ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢና ድሕሪ ምባል ቡዙሓት ትሕቲ ዕድመን መናእሰይን ደቂ ማእኸል ዓዲ ብናይባዕላቶም ሰራዊት ክርሸኑ ከምዝረኣየ ድማ ይምስክር።

ኣብ መወዳእታ ሙዲን ቃሲማ ህዝቢ ኦሮሞ ዳግም ከይታለል ክብል መልእኽቱ ዘሕለፈ እንትኾን ኣብ መሬት ትግራይ ጁንታ ዝበሃል ኣካል ከምዘየለን እዚ ስምዚ ብቐጥታ ዝዉክሎ ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሰራዊት ትግራይ ከተማ ጭፍራ ሓዊሱ ቡዙሓት ቁልፊ ዝኾኑ ቦታታት ምቁፅፃሩ ስዒቡ ነቲ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጲያ ዝኾነ ብርሃኑ ጁላ “ጭፍራ ለቒቕና ማለት 4 ኪሎ ተታሒዛ ማለት እዩ ኢሉ” ዝመከሐሉ ዝነበረ ከምዘፍሸሎ ይፍለጥ።

እዚ ቃል ብርሃኑ ጁላ ልክዕ ከምቲ 1990 ዓ/ም ዝነበረ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ‘ ባድመ ለቒቕና ማለት መሬት ዓሪባ ማለት እዩ ክብል ዝመደሮ መደረ ተመሳስሎ ከምዘለዎ ይግለፅ።

መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጲያን ሰበ ስልጣናቶምን እዉን ልክዕ ናይቲ ኣዉራን ኣቦወንበር ወልቀመለኽትን ዝኾነ ተግባራትን ቃላትን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እናደገሙ ኣብ ልዕሊ ገበን፣ ገበን እናወሰኹ ይሓድሩ ከምዘለዉ ሊሂቃን ፖለቲካ እናገለፁ እዮም።

ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናይ ሕንጉጓይ ምስሊ ሂብካ ብኹሎም ህዝብታት ንኽፅልኡን ኣብ ልዕሊኦም ክዝመትን ካብ ተራ ፖለቲከኛ ክሳብ ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ብሚድያ እናወፁ ክሰብኩ ተሰሚዖም እዮም።

ቅድሚ መዓልታት ኣይተ ቧ’ ያለዉ በተን ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝትንፍሳ ሚዲያታት ወፅዩ ኣብ ልዕሊ እዞም ህዝቢ ፅልኢትና ክሰፍሕ ኣለዎ፣ ፅልኢ ምዕባይ ዋና መሳሪሒና ክንገብሮ ይግባእ ዝብል ቃል ድሕሪ ምባሉ ብቡዙሓት ግርምትን ቁጠዐን ፈጢሩ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝብን ትግራይ ብፀላእቲ ዝተፈፀመ ሰብ ክፍፅሞ እዩ ኢልካ ዘይትግምቶ ሰይጣናዊ ተግባራቶም ከምዝፈፀሙ ዝፍለጥ ኮይኑ ብኣንፃሩ ንሙሩኻት ሓዊሱ ኣብ ዝተቆፃፀሮም ከባብታት ሰብኣዊነት ዝተላበሰ ኣተሓሕዛ ኣብ ምትግባር ይርከብ።