ፖለቲካዊ ጉዳይ ትግራይ ኣብ ከረጢት ጠቕሊልካ ንሓደ ውድብ ዝወሃብ ከምዘይኮነ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ገሊፀን።

ሕቶ መቃለሲ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ስርዓተ መንግስቲ ትግራይ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ፣ ብሓፈሻ ፖሎቲካዊ ምሕደራን ግዝኣቲዊ ሓድነት ትግራይ ክረጋገፅ ዝጠልብ ከምዝኾነ ውድባት ሳወት፣ ባይቶናን ውድብ ናፅነትን ብሓባር ኣብ ዘውፀኡዎ መግለፂ ሓቢሮም።

እቲ ዝበዝሕ መሬት ትግራይ ካብቶም ወረርቲ ሓይልታት ሓራ ወፂኡ ስርዓተ ሐንግስትነት ትግራይ ናብ ቦትኡ ምስተመለሰ ድማ ሕዚ ትግራይ ዘላቶ ምዕራፍ ሓድሽ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ከምኡ እውን ሕገ መንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ኢትዮጵያ ከምዝፈረሰን ኣብዞም ዛዕባታት ምሽምጋል ከምዘይከኣልን ኣረዲኦም።

ብምዃኑ እውን ንመንግስቲ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ንሓደሽቲ ፖሎቲካዊ ውሳነታትን ዛዕባታትን ክውስን ዝኽእል ሕጋዊ መንግስቲ ከምዘየለ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት እዚ ንትግራይ ኣመልኪቱ ቀፃሊ ዝግበር ፖሎቲካዊ ዘተ፣ ምህናፅ ሰራዊትን ስራሕቲ ዲፕሎማስን ስልጣን ክልል መንግስቲ ከምዘይኮነን እዚ ክልል ኮይንኻን ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዘለሉን ከምዘይረጋገፅ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ሕቶን ረብሓን ከምኡ እውን ዕፃ መፃኢት ትግራይ ክውሰነሉ ዝኽእል ብምዃኑ ካብ ስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ንላዕሊ ከምዝኾነ እቶም ውድባት ኣረጋጊፆም።

ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ዝውስን ዝምልከቶም ኣካላት ግልፂ ብዝኾነ ሮቋሒ ዝሳተፉሉ መስርሕ ክዳሎ ፃውዒት እናቕረቡን የቕርቡ ከምዘለውን ሓቢሩ።

እዚ ማለት ጉዳይ ትግራይ ኣብ ከረጢት ጠቕሊልካ ንሓደ ኣካል ወይ ውድብ ዝወሃብ ከምዘይኮነን ሓደ ኣካል ክውስኖ ዘይኽእልን ብሄራዊ ዛዕባ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ብምዃኑ ይብሉ እቶም ውድባት፡ “ሕልፍ ዓወት ትግራይ 1983 ዓ/ም ከምኡ እውን 1997 ዓ/ም ዘጋጠመ ኩነታት ከምዘድልን ዕፃ ትግራይ ኣብ ምውሳን ብኲናት ሲዒርና ብፖሎቲካ ከምዝተስዓርና ዝፍለጥ እዩ” ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ዕፃ መፃኢት ትግራይ ብተጋሩ እምበር ብሓይልታት ፌዴራሊስት ዝውሰን ከምዘይኮነ ኣረጋጊፆም።