ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ዝበፅሕን ዉሑስ ዝኸዉንን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጲያን ምስኦም ተሓዚሎም ዝኣተዉ ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራን ዝጀመሮ ፀረ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ምቕፃሉ ገሊፁ።
ሰራዊት ትግራይ ትማሊ 22 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም ካብ ኮምቦልቻ ንኣንፈት ምብራቕ ን ገርባ፣ ከተማ ባቲን ቡርቃን ተቖፃፂሩ ንሚሌ ገፅ እናገስገሰ ከምዝርከብን ካብ ኮምቦልቻ ንኣንፈት ደቡብ ድማ ንሃርቦ ከምዝተቖፃፀረ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።
ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተቖፃፀረን ከተማታት ህዝቢ እቲ ኸባቢ ነዚ ልዑል ህዝባዉነትን ሰብኣዉነትን ዝተላበሰ ሰራዊት ትግራይ ማይን እኽልን ብምቕራብን ብልዑል ታሕጓስን ከምዝተቐበሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
እታ ቅድሚ መዓልታት ብሰራዊት ትግራይ ሓራ ዝወፀት ከተማ ደሴን ኮምቦልቻን እዉን ነበርታ ኣብ ስሩዕ መነባብሮኦም ከምዝርከቡን ዕለታዊ ጣጣ ጎጆኦም የሳልጡ ምህላዎም ተገሊፁ።
መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓዊሱ መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ፖለቲከኛታቶምን ሰራዊት ትግራይ ፈፂሙ እግሩ ኣይዓርፋን ኣብ ዝበልወን ዓበይትን ቁልፍን ከተማታት ኣምሓራ ምቁፅፃሩ ስዒቡ መራሕቶምን ሊሂቃኖምን ኣብ ፈርከስከስን ዘይምቅዳዉን ከምዝርከቡ እናተገለፀ እዩ።