ኣብያተ እምነታት ትግራይ፡ ካብ ደጊም ብእተን ሰራዊት መሪቐን ናብ ትግራይ ዝለኣኻ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጲያ ከምዘይምእዘና ምግላጸን ከምዝድግፍዎ ኣኽሱማይት ዘዘራረበቶም ኣመንተን ገሊጾም።

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ነቲ ዓለም ብዓለሙ ዝኾነኖን ዝኾነኖን ኩናት ትግራይ “ኣይ ኣይፋል ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጲያ ዝተፈለየ ፀገም ኣይበፀሖን እዚ ተግባር ተልእኾ ሕጊ ምኽባር እዩ” ክብሉ ፀኒሖም እዮም።

ከምኡ እውን እግሪ እግሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እናሰዓቡ “ኣጆኻ ኣለናልካ፣ ክንፅልየልካ ኢና፣ ንስኻ ካብ ፈጣሪ ዝተልኣካን ዝተመረፅካን ኢኻ” ወዘተ እናበሉ ትርጉም እቲ እምነት ንጎኒ ገዲፎም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ገበን ኩናት ድሕሪ ምእዋጆም ንመራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣዝዩ ዘቖጠዐ ተግባር ኮይኑ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ንኣኽሱማይት ሚድያ ሪኢቱኡ ዝሃበ መ/ር ኣብዪ ሃይለ ኣዲስ፡ ቅድም ኢሉ መቐለ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሲኖዶስ ኢትዮጲያ ከምዘይዉከል ዘቐመጦ ቅዋም ከምዝድግፍ ገሊፁ።

መራሕቲ ኦርቶዶክስ ኢትዮጲያ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝሕለፍ እንበር ዘይርሳዕ በደል ብምክያድ እዞም ኣካላት ካብቲ ስርዓትን ሕግን እግዚኣብሄር ወፅዮም ንሓደ ዉልቀሰብ መግልገልቲ ጥራሕ ኮይኖም ከምዝተረፉ ይዛረብ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብሕጊ ፈጣርን ስርዓት ሲኖዶስን ምስዞም ኣካላት ዘሕብር ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ስለዘየለ ንሕና ከምተጋሩ ናይገዛእ ርእስና ንዉንኖ ስርዓትን ሕገ ቤትክርስትያንን ንምምስራት ዛጊድ ኣብ ቡዙሓት ከባቢታት ዓለም ብትግራይ ዝፅዉዑ ኣብያተ ቤተክርስትያናት ኣብ ምምስራት ንርከብ ክብል ይገልፅ።

ስለዝኾነ ድማ ትግራይ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብናይ ዉሽጥን ደገን ሓይልታት እንትትርገፅ ዓገብ ዘይበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ፡ ትግራይ ካባና ዝፈልያ የለን እዞም ሓደ ኣይኮናን ዝብሉ ኣካላት ድማ ክዉገዙ ኣለዎም ንዝብልዎ ዘረባ እኹል መልሲ ረኺቦም እዮም ኢሉ ከምዝኣምን መ/ር ኣብዪ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ብቤትምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጲያ ከምዘይእዘዝ ገሊፁ እዩ።

ተኸተልቲ እምነት እስልምና ተጋሩ፡ ፀላእቲ ነቲ ኣብ 7ይ ክ/ዘበን ካብ መካ ናብ ትግራይ ብዝኣተዉ ኣመንቲ እቲ እምነት ዝተሰርሐ ካብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምዃኑ ዝዝረበሉ መስጊድ ነጋሽ ምዕናዎም ዓብዪ ቁጠዐ ከምዝፈጠረሎም ገሊፆም እዮም።

ይኹን እምበር ኢትዮጲያዉያን መራሕቲ እስልምና ነዚ ጉዳይ ከምዘይናቶም ሪኦም ንሰራዊት ኢትዮጲያ መሪቖም ኣፋንዮም ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያ ደጊፎም ጠጠዉ እንትብሉ፡ ኣብ ኩናት ትግራይ ግን እዚኣ ትበሃል ተቓዉሞ ኣይስምዑን ነዚ ስዒቡ እዉን ንጉዳያት እሰልምና ትግራይ ከምዘ ይዉክሉ ግብረመልሲ ተዋሂብዎም እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ፀላእቱ እንትስደድዘ፣ እንትሞትዘ፣ እንትድፈርን እንትሕረድን እንትጠምን እናረኣዩ ንኣብ ልዕሊ ኢትዮጲያዉያን ዝበፀሐ ፀገም ግን ልዕሊ እቲ ሽግር ምስ ዘእዉዩ መራሕቲ ክንሓብር ኣይንደልን ክብል ዘዘራረብናዮ መተሓባበሪ ማሕበር እስልምና ተጋሩ ኣብ ጀርመን ሳዳም መሓመድ ገሊፁ።


A footage of a destruction of a Tigrayan church by the invading forces in Zalambessa [Tghat]

ትግራይ ባዕላ ትዉንኖ ትካል ከይህልዋ ብገዛእቲ ሸዋዉያን ሰፊሕ ሽርሒ እናተሰርሐ ምምፅኡ ዝሓበረ ሳዳም ኩናትን ፅልእን ምስ ዝሰብኽ መራሒ ሃይማኖት ዝእዘዝ ሙስሊም ትግራዋይ ከምዘየለ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ተኸታሊ እምነት እስልምና ትግራዋይ ምስቲ ናይ ትግራይ መጅሊስ ብሓባር ብምዃን ናይ ገዛእ ርእሱ ዝዉነኖ ትካል ንምዉናን ኣብ ከይዲ ከምዘለዉ ብምሕባር መንግስቲ ትግራይ ኣድላዪ ዝበሃል ትሕብብር ንኽገብር ተላብዪ።

ብኻሊእ ዜና ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ኹናት ብዓለም ለኸ ሕብረት ኣመንቲ ወንጌል ክርስትያን ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ዝኹንን መግለፂ ቅዋም ምዉፅኦም ይዝከር።

ካብኣቶም እዉን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክባፃሕ፣ መራኸቢ ሜላታት ክኽፈቱ፣ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ከምኡ’ዉን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ መሬት ትግራይ ክወፁን ሕጋዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስን ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብዚ ጉዳይ ሪኢቱኡ ዘቐመጠ ሰዓቢ እቲ እምነት ተመስገን ካሕሳይ ; ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጲያ ብሓፈሻ ዘርኣየኦ ምላሽ ብዝኾነ ዓይነት መልክዒ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ይዛረብ።

ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጲያ ንሓደ ዉልቀ ሰብ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ሕጊ እቲ እምነት ዝወፀአ ተግባራት ምፍፃሞም ዊዒሎም ሓዲሮም ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጡ የረድእ።

ብምዃኑ እዉን ኣብ ደገ ዝርከብ ሕብረት ኣማኒ ወንጌል ክርስትያን ተጋሩ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተኸታሊ እዚ እምነት ስጡም ረኽቢ ከምዘለዎን ኣብ ቀረባ እዋን ንፁር ቅዋም ንምቕማጥ ምንቅስቓስ ከምዘሎ እዩ ገሊፁ።

ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጲያ ካብ ደጊም ምስ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ዘራኽብ ከምዘይብለንን ከምዘይምእዘዛን ኢሉ ድማ ተጋሩ ናይ በይኖም ዝብልዎ ትካል እምነት ኣብ ምምስራት ከምዘለው ይፍለጥ።

ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ብፍላይ በዓቲ ውዱቓት ሓይልታት ፓለቲካ ናይ ምዃን ተግባሩ ዝያዳ ትካላዊነት ኣላቢሱ ብኩለመዳያዊ ነውሪታት ኣጊፁ ዝገስገሰ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ንኻልኦት መራሕቲ ኣብያተ እምነት እውን መርኣያ ጉስቁልና ናይ ምዃን ግንባር ቐደም ሚና ብምውሳድ ኣብ ጎኒ ዕላማ ቢስ መከላኸሊ ሰራዊትን ባዕዳውያን ሓይልታትን ከም ዝቖመ ብቃልን ብተግባርን እናረጋገፀ ፀኒሑ እዩ።