ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዘራኽቦም መንገዲ ከምዝተፈጠረ ወሄቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣባል ኮማንድ ሰራዊት ትግራይን ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ብተመሳሳሊ ኣዚዚ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ጃል ማሮ ክልቲኦም ሓይልታት ብርሕቐት ተቐራሪቦም ከምዘለዉን ኣብ ቀረባ መዓልቲ ሓደ ግምባር ፈጢሮም ብሓባር ከምዝቃለሱን ምግላፁ ቢቢሲ ወሲኹ ሓቢሩ።
ነቲ ኣብ 4 ኪሎ መቐመጢኡ ዝገበረ መንግስቲ ኣብዪ ንሓይልታት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብግብረ ራዕዳዉያን ዝፈረጆም ዋላ እኳ እንተኾነ ንኣዲስ ኣበባ ንምምንዛዕን ዛጊድ ሓይልታት እቲ ሰራዊት ኣብ ምዕራብ ማእኸላይን ደቡብን ኦሮምያ ብርክት ዝበላ ከተማታት ምቁፅፃሩ ጃል ማሮ ኣብሪሁ።
ጃል ማሮ ከምዝበሎ ነዞም ቦታታት እንትቆፃፀር ከምዘከበዶን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ሓይልታት ትግራይ ስጡም ስምረት ፈጢሮም ንናይ ሓባር ፀላኢ ከምዝቃለሱ ኣረዲኡ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ቅድሚ ኣዋርሕ ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምድጋፍ ንናይ ሓባር ፀላኢ ንምስዓር ሕብረት ፈጢሮም ናብቲ ቃልሲ ሰራዊት ትግራይ ከምዝተፀምበሩ ምግላፆም ይዝከር።
ብተወሳኺ ካልኦት ብሄር ብሄረሰብ ኢትዮጲያ ንናይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ፃዉዒት ክተት ነፂጎም ምስ ሓይልታት ፌደራሊስት ዝወገኑን ናብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተፀምበሩን ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ንወሰንቲ ከባቢታት ኣምሓራ ምቁፅፃሩ ስዒቡ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ራዕዲ ኣትይዎም ኣብ ምብትታን ይርከቡ።