ትማሊ ኣብ ስዊድን ከተማ ስቶክሆልም ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ ዝኽሪ ሰማእታት ኣሳሊጦም።
እቶም ተሳተፍቲ ፀሊም ክዳን ተኸዲኖምን ባንዴራ ትግራይ ሒዞምን ዝተርኣዩ እንትኾኑ ነቶም ምእንተ ህዝቦም ዝሓለፉ ሰማእታት ብመንፈስ እንተኣስታዉሱ መዝሙር ዘይንዲቦ ገቦ እናዘመሩ እዩ ኔሩ።
እቲ ኣብ ሓደ ዓመት ዉሽጢ ዝተኻየደ ወራር ትግራይ ዕድመ ; ፆታን ሃይማኖትን ዘይፈለየ መጥቃዕቲ ምፍፃሙን ኣብ ልዕሊ ስነልቦና ተጋሩ ዝሃሰየ ምዃኑን ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ተዛሪቦም።
ዲያስፖራ ትግሪይ እቲ ዓመት ሙሉእ እናስመዖ ዝመፀ ድምፂ ተጠናኺሩ ክቕፅልን በጃ ህዝቦም ሂወቶም ዝሓለፈን ሂወቶም ንምዉፋይ ዝዋደቑ ዘለዉን ዝድበሱ እታ ንሶም ዝሓልምዉዋ ትግራይ ጋሃድ ምስ እንገብር እዩ ክብሉ እቶም ተሳተፍቲ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ እታ ንሕና ዝተሓተትናያ ሂወት ዘይኮነትስ ገንዘብናን ፍልጥተናን እዩ እሞ ግቡኡና ንምፍፃም ዘለና ዓቕምና ተጠቒምና ሕነ ሰማእታትና ክንከፍል ይግባእ ክብሉ እዉን ወሲኾም ተዛሪቦም።
ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ድማ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዓንቲርናን ሓቢርናን ስለዝኾነ ኩለመናና ናብ ትግራይ ከነማዕዱ ይግቢእ ክብሉ እቶም ተጋሩ ዲያስፖራ ትግራይ ኣተሓሳሲቦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣትሒዙ ሐበል 1 ዓመት ወራር ትግራይ ኢመልኪቶም ኣብ መላእ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ ድምፂ ተቓዉሞ ኢስሚዖም እዮም።
ኣብ ኣሜሪካ ; ካናዳ ; ኢንግሊዝ ; ኖርወይ ; ስዊድን ; ኣዉስትራልያን ካልኦትን ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ተመሳሳሊ ድምፂ ተቓዉሞ ንዓለም ማሕበረሰብ ብምግዋሕ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።
ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ተጋሩ ናብ ግዝኣት ዋሽንግተን በምትእኽኻብ ዉዕዉዕ ዝኾነ ሰልፍን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ክሳብ ሐዚ ዝገበሮ ሓገዝ ንኢዶም ግን ድማ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝሓትት ሰልፊ ተሳሊጡ።
እቲ ዓይነት ሰልፊ ናይ እግርን ተሽከርከርትን ዝነበረ እንትኾን ካብቶም ዝተሰምዑ ድምፅታት ህዝቢ ይጠሚ ኣሎ ; ዘረባ ዘይኮነስ ስጉምቲ ከምዘድሊ ዝብሉ የጠቓልሉ።
ብተወሳኺ ሰራዊት ትግራይ ብዘካይዶ ዘሎ ገስጋስ ወረርቲ ሓይልታት ዓንፆ ዓንፆ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ ዝገብርዎ ዘለዉ መጠን ኣልቦ ግፍዕን ገበንን ጠጠዉ ንኽብል ድምፂ መንግስታትን ማሕበረሰብዓለምን ከምዘድሊ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ዓመታዊ ወራር ትግራይ ዘካየድዎ ሰልፊ ኣቃሊሖም እዮም።
ካሊእ ኣብ ኣጋ ድሮ ስዕረቱ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጲያን መሻርኽቱን ናይ ኣጥፊአ ክትጠፍእ ዝዕላምኡ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ገበን ገበን ምዉሳኽ ምዃኑ ተፈሊጡ መንግስቲ ኢሜሪካ ህፁፅ መፍትሒ ክገብር እቶም ሰልፈኛታት ተላብዮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዉሮፓ ዝተኻየ ሰልፊ እዉን እንተኾነ ሕብረት ኣዉሮፓ ኩናት ትግራይ ንኸብቅዕን ገበነኛታት ክሕተቱን ብዕቱብ ክሰርሕ ዝተላበዉ እንትኾኑ እዚ ሕቶ እዚ ተፈፃምነት ክሳብ ዝረክብ እቶም ተቓዉምቲ ተጋሩ ጠጠዉ ከምዘየብሉን እዮም ኣረዲኦም።
ዲያስፖራ ተጋሩ መበል ሓደ ዓመት ዝኽሪ ወራር ትግራይ ድምፆም እንተስምዑ ብሓደ ወገን ብምላሽ ዓለማት ጉህዮም ብሓደ ወገን ድማ እቲ ዝረአ ዘሎ ብርሃን ዋግዋጎ ተስፋ ብምግባር እዩ።
ትግራይ ፀላእቲ ብኹሉመዳይ ካብ ዘጥቅዕዋ ልዕሊ 365 መዓልታት ከምዘቑፀረት ዝፍለጥ ኮይኑ ተጋሩ ነዞም ሓይልታት ንምምካት ብቕልፅሞም እናተዃሽሑ ዛጊድ ዓበይቲ ወታደራዊ ዓወታት እናሓፈሱ እንትኾኑ ብኣንፃሩ ድማ ፀላእቲ ናብ ዝኣትዉዎ ጨኒቕዎም ኣብ ምብትታን ከምዝርከቡ እናተገለፀ እዩ።