ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተጎብጠ መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት!

ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ኣመልኪቱ ምጽራይ ክገብር ዝጸነሐ ሓባራዊ ምጽራይ ኢትዮጵያን ውድብ ሕብረት ሃገራትን ሻራዊ ጸብጻቡ  ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጀኔቫን ጋዜጣዊ መግለጺ ብምሃብ  ብዓል 156 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ዓላዊ ጌሩ።

እቲ ብኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያን ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት ሃገራት ብሓባር  ካብ 16 ግንቦት ክሳብ 30 ነሓሰ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ  ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ምጽራይ ክገብር ጸንኒሑ እዩ።

እቲ ሓበራዊ ምጽራይ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሰነ 21 ዘሎ መዓልታት ዝተገበረ እንትኸውን ሰራዊትን መንግስቲን ትግራይ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ሓራ ድሕሪ ምውጹኡ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዝነበረ ምርመራ ብምቁራጽ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጲያ ምጽራዩ ዝቀጸለ  ኮይኑ ኣብ ትግራይ ኣብ መቐለ፣ ውቅሮ፣ ሳምረ፣ ኣላማጣ፣ቦራ፣ ማይ ጨው፣ ዳንሻ፣ ማይካድራን ሕሞራን  ብኣካል ብምርካብ ዝተካየደ’ዩ።

ብተወሳኪ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ  ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባት እውን ቃልመሕተት ከም ዝተገበረሎም እቲ ጸብጻብ የመላክት።

እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ካብ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መስላት ሕብራት ሃገራት ብዝተወጻጹኡ ኣባላት ሓባራዊ ኣጻራይ ጉጅለ ብምጥያሽ ዝተካየደ ከምዝኮነ ኣብቲ ጸብብጻብ ዝተገለጸ እንኸውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊን ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ተኣማኒ ዝኮነ ጸብጻብ ምቅራብን ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ምጽራይን ተሓታትነት ክህልው ምሕጋዝን ዓሊሙ ዝተካየደ እዩ።

እቲ ጸብጻብ እቲ ኲናት ጥቅምቲ 23 ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዝተጀመረ ዝሕብር እንትኸውን  ስዒቡ ዝተፈጸሙ ገበናት ብኹሎም ሓይልታት ከምዝኾነ ይቀምጥ።

እቲ ጸብጻብ ሓይልታት ምኽልኻል ትግራይ ማዓረ ምስ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ሕድሕድ ገበናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተካፋሊ ዝገብር እንትኸውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘቅረቦም ኩሎም መሰረት ዘይብሎም ክስታትን ብምቅባል  ሓይልታት ምኽልካል ትግራይ ሰላማዊ ሰባት ከምዝጎዱን ዝቐተሉን፣ ኣንስቲ ከምዝደፈሩን ከምዘጥቅዑን ከተማታት ከምዝደብደቡን ንብረት ከምዝዘረፉን የቐምጥ።

ኢድ ኣታውነት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ዝምቡዕ መደምደምታ።

እዚ ሻራዊን ፍጹም ወገንተኝነት ዝተመለኦ ጸብጽብ ብኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ጽዕንቶን ዋና ተዋሳእን ከምዝተሰነደ ዘመላክቱ ብርክት ዝበሉ መርኣያታት ዝሓዘ እዩ።

መንግስቲ ኣምሓራን ልሂቃን ኣምሓራን ብዕሊ ንዓመታት ክዛርውብዎ ክሙክርዎን ዝጸንሑ ተግባር ሓዲጉ  ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናትን ዘርኢ ምጽናትን ከም ኣብ ማይካድራ ንዝተፈጸመ ገበን ግብረመልሲ ጌሩ ዘቅምጥ ፍጹም ሻራዊነት ዝተመሎኦ ጸብጻብ እዩ።

እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ሲቪል ማሕበራትን መንግስቲ ትግራይ ካብ ፈለማ ክቃወምዎ ዝጸንሑ እንትኸውን ብዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ  ትካል ምጽራይ ክግበር ተደጋጋሚ ጻዊዒት ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ እንትኸውን  ብመንግስቲ ኢትይጵያ ዝምወልን ኾሙሽነራት እቲ ትካል እውን ብቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዝሽወሙ እዮም።  መንግስቲ ኢትዮጲያ ከም መንግስታዊ ስልቲ ገበን ፈጺሙ እዩ ተባሂሉ ክሲ ኣብ ዝቀርበሉ እዋን መርመራ ክግበር ከሎ ምንም ዓይነት ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ተጌሩ ኣብቲ ምጽራይ ክሳተፍ ምግባሩ ኣግባብ ዘይብሉ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተጸዋዕነቱ ናብ ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ እንትኸውን ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ፌደራል ምንም ዓይነት ውክልና ዘይብሉን ነቲ ኮሙሽን እውን ከም ትካል  ዘይሻራዊ  ከምዘይኾነ ብመንግስቲ ህዝቢን ትግራይ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ካብዚ ብተውሳኪ ነቲ ኮሙሽን ዝመርሕ ዳንኤል በቀለ [ዶ/ር] እውን ወገንተኝነቱ ብግልጺ ብተደጋጋሚ ዘረኣይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓርዩ ዝተሸወመ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ስዒቡ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኣቃሊሉ ዘቀመጠ ከምቲ ዝብሃል ጉድኣት ከምዘይበጸሐ ብግልጺ ክዛረብ ዝጸነሐ እዩ።

ኮሙሽነር ዳንኤል በቀለ ኣብ ትግራይ ክንዲ እቲ ዝተፈረሐ ጉድኣት ኣይበጸሐን ብምባል ኣብቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ዝበጸሐ ጉድኣት ከቃልል ዋላ እኳ እንተፈተነ በእቲ ዝጨወየ ሻራዊ ሓባራዊ ምጸራይ እኳ ኣብ መቐለ ሕዳር 19 2013 ጥራሕ ብከቢድ ብረት ሰራዊት ኢትዮጲያ ልዕሊ 29 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 34 ሰባት ከምዝቆሰሉ ዘይካሓድ ሓቂ ኮይንዎ ተቀሚጡ ኣሎ። እቲ ጅምላዊ ደብዳብ ዝኮነ ዓይነት ወታደራዊ ናቁጣ ዓላም ዝገበረ ከምዘይኮነ እውን እቲ ሓባራዊ ምጽራይ በኣካል ነቲ ዒላማ ዝተገበረ ቦታ ብምርኣይ ኣቃሊዑ እዩ።

ኮሙሽነር ሰብኣዊ መስል ኢትዮጲያ ክንደይ ትግራዋይ ሰብ ክመውት ወይ ክጉዳእ እንከሎ ከምዝርብሾ ብዕሊ ዋላ ኣይፈለጥ ብተመሳስሊ ኣብ ውቅሮ ካብ 16 ሕዳር ክሳብ 18 ኣብ ዝነበረ ጅምላዊ ደብዳብ ሰራዊት ኢትዮጲያ ልዕሊ 22 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቀተሉ ኣቀሚጡ እዩ። ካብዚ ብተወስካኪ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2013 ካብ ዶንጎላት ክሳብ ግጀት ኣብ ዘሎ ልዕሊ 65 ሰለማዊ ሰባት ከምዝተቀተሉ መሰካክር ነቲ ሓባራዊ ምጽራይ ጉጅለ ከምዝተዛረቡ ኣብቲ ጸብጽባ ተቀሚጡ ይርኸብ። 

እዚ እቲ ሻራዊ ምጽራይ ዘይክሕዶም ሓቂታት ንምቅማጥ ዝኣክል እምበር ኣብ ኣኽሱም፣ ማርያም ደንገላትን ማሕበረ ዴጎን ሓዊሱ ዝተፈጸሙ መስካሕከሕቲ ጭፍጫፋት ሓዊሱ ብኣማኢት ኣብ ዝቁጸሩ ከባቢታት ትግራይ ንምስምዑ ዝድንጽው ሂወት ዓሰርተታ ኣሸሓት ተጋሩ ዝበልዑ ግልጺ ጨፍጭፋትን ገበናትን ተፈጺሞም እዮም። ንእኒ ዳንኤል በቀለ ግን እዚ ዘደንግጽ ወይ ድማ ከምቲ ንሶም ዝሓሰብዎ ጨፍጫፍ ኣይኾነን። ዝኣለምዎን ዝሓለምዎን ካሊእ እንድሕር ዘይነበረ።

ተጋሩ ዘይተሓተትሉ ጸብጻብ ጉዳይ ማይ ካድራ

ኣብቲ ብዛዕባ ጃምላዊ ቕትለት ማይ ካድራ እተዋህበ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን  እንተኮነ እውን ህወሃትን ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም እዮም ዝበሎም “ሳምሪ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ጉጅለ መንእሰይ ተሓተቲ ዝገብረ እንትኸውን ብድሕሪኡ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ሓቂ ብዕምቈት ንምምርማር ጉጅለ መርማሪ ልኢኹ ከጻርይ እናተገበኦ ናብ ሓደ ወገን ዘዘምበለ ግዳያት እቲ ጃምላዊ ቕትለት ተወለድቲ ኣምሓራ ጥራሕ ከምዝኮኑ ዝገልጽ ኣፈናዊ ጸብጻብ ኣውጺኡ ሓዲጝዎ እዩ።

 ካብዚ ብተወሳኪ  እቲ ጸብጻብ ካብ ማይካድራ ናብ ካልእ ክፋላት ትግራይ ከምኡውን ሂወቶም ንምድሓን ናብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዝሃደሙ ተጋሩ ምስክርነት ምሉእ ንሙሉእ  ዕሽሽ ዝበሎ እንትኸውን ሐዚ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ እዚ ኣብቲ ሓባራዊ ምጽራይ ክጠቓለል ተጌሩ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናትን ቅትለታት ሰለማዊ ሰባትን እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ግልጺ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ቅትለታት ምኳኖም ክሒዱ ኣብቲ ውግእ ከም ዝተለከሙ ጌሩ ዘቅምጥ እንትኸውን ማይ ካድራ ብዝምልከት ዘቀመጦ ጸብጻብ ግን ኮነ ተባሂሉ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ብሰራዊት ትግራይ ከምዝተፈጸመ የቅምጥ። እቲ ሓቂ ዝጠወየ ንሓደ ብሄር ዝወገነ ሕሉፍ ጸብጻብ ሰብኣዊ ኮሙሽን ኢትዮጲያ ከምዘለዎ ኣብቲ ሓባራዊ ምጽራይ ክቅመጥ ተጌሩ ይርኸብ።

ካብዚ ብተወሳኪ እቲ ሻራዊ ሓባራዊ ምጽራይ ሰነ 21 2013  መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦቱኡ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ መቐለ ተወለድቲ ኣምሓራ ብፍሉይ ተፈልዮም ዒላማ ከምዝተገበሩን ዝተቀተሉን ዘቅምጥ እንትኸውን  ኣርባዕተ መጥቃዕቲ ከምዝበጸሖሙን ክልተ ድማ ከምዝተቀተሉን ዘቐምጥ እንተከውን ኣብዚ ሰራዊት ትግራይ ሲቪል ዝተከደኑ ካልኦት ተሓታቲ ዝገብር እዩ።

 እቲ ዝገርም ድሕሪ ሰነ 21 እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ናብ ትግራይ ዘይተመለሰን ቀዲሙ ዝወጸን እንትኸውን እዚ ክሲ እዚ ከመይ ከምዝረከቦን ዘረጋገጾን ዝተቀመጠ ነገር የለን። እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ድሕሪ ሰነ 21 ኣብ ትግራይ ምንም ዓይነት መራከቢ መሳርሒ ኣብ ዘይነበረሉን ብኣካል ተረኺቡ መሰካከር ከሓትትን ከጻሪን ኣብ ዘይክእለሉ ግዜን ቦታ ኮይኑ ብመንግስቲ ኢትዮጲያን ልሂቃን ኣምሓራን ዝተረከበ ናይ ሕሶት ክሲ ብእቲ ብመንግስቲ ዝሽወምን ዝምወልን ኮሙሽን ኣቢሉ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዘለዎ ወሲዱ ሰራዊት ትግራይ ገበን ከምዝፈጸመ ኣቀሚጥዎ ይርኸብ።

ሰራዊት ትግራይ መልዐሊን ጀማሪን እቲ ኲናት ጌሩ ካብ ምቅማጥ ብዝሓለፈ ኣብ ኩሎም ዓይነት ገበናት ተሳታፋይን ምናልባት እውን ብገበን ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበንን ከምዝፈጸመ ዝከስስ ጸብጻብ እዩ።

ሰራዊት ትግራይ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓዲ ሃገራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ውግእ ካብቲ ውግእ ሂወቶም ከትርፉ ኣብ ቤተክርስቲያን እንዳ ጀወርግስ ኣጽሊሎም ዝነበሩ ሰለማዊ ሰባት ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ናብ ቤተ ክርስትያን ብምእታው ከምዝቀተለ ዘቅምጥ እዩ። ኣብ ዓዲ ሃገራይ ብተመሳሰሊ ሰራዊት ትግራይ ህጻን ዝሓዘት ኣደ ከምዝተደፈረት እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተቀሚጡ ይርኸብ።

ብተወሳኪ እቲ ሓባራዊ ጸብጽባብ ሰራዊት ትግራይ ኣብ መቐለ፣ሑመራ፣ሽረ፣ ኣኽሱምን ኣድያቦን መግረፍቲ ዘይሕጋዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ፈጺሙ እዩ ዝበል እንትኸውን ሓደ ሓደ እሱራት ድሕሪ ቶርቸር እውን እናተወሰዱ ብሰራዊት ትግራይ ዝተቀተሉ ኣለው እዩም ክብል ይኸስስ።

ልክዕ ኣብ ማይ ካድራ መንግስቲ ኢትዮጲያን ልሂቃን ኣምሓራ ከምዝፋሓስዎ ሕሶትን ክሲን ኣብ ሑመራ እውን ሰላማዊ ተጋሩን ምልሻ ትግራይን ብሓባር ብምኳን ካብ እምኒ ክሳብ ክላሽን ብምሓዝ  ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝተፈላልዩ ጥቅዓታት ፈጺሞም እዮም ዝበል እንትኸውን ኣመራርሓ ፖሊስ ክልል ትግራይ እቲ ከባቢ ሰለማዊ ሰባት ተወለድቲ ኣምሓራ እናኣሰሩ ቶርቾር ይገብሩን ይገርፉን ከምዝነበሩ እውን የቀምጥ።

ከምዚ ዓይነት ምጽራይ እንትግበር ግዳይ እቲ ገበን ዝኮነ ኣካል ማእከል ብምግባር( victim centred) ከምዝኮነ ዝፍለጥ እንትኸውን ይኹን እምበር ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብተጋሩ ሙሉእ ንሙሉእ ተቀባልነት ኣብ ዘይብሉን እቶም ምጽራይ ዝተገበረሎም ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጲያን ኤርትራን እናሃለው ዝተገበረ ምጽራይ ብምኳኑ ግዳይ እቲ ገበን ብነጻነት ክዛረብን ዘለዎ መረዳእታ ከቅርበሉ ኣብዘይክእለሉ እዋን ዝተገበረ እዩ።

ምስዚ ተታሒዙ እቲ ሓባራዊ ኣጻራይ ጉጅለ ኣጋጢሞሙኒ እዮም ካብ ዝበሎም ዓንቀፍቀፋትን ጸገማት ሓደ ግልጺ ዝኮነ ምፍርራሓን ምሽጋርን እትኸውን ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ምዕራብን ደቡብ ትግራይን ብክልል ናይ ጸጥታ ኣካላት  ብግልጺ ምፍርራራሕ ከምዝበጸሖም ኣቀሚጡ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ነቲ ስራሕ ዘድልዮም ናይ መራከቢ መሳርሕታትን ጥረ ገንዘብን ብኣየር ኮነ ብጽርግያ ሒዞም ከይንቀሳቀሱ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተከልከሉ እንትኸውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ውድብ ሕብራት ሃገራት ዓብይ ጥርጣረ ይንጸባረቅ ከምዝነበረ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተቀሚጡ ይርኸብ።

ቃለ መሕተታ ኣብ ዝተካየደሎም ኣካባቢታት ትግራይ ግልጺ ፍርሒን ዘይምትእምማን ከምዝነበረ እውን ዝገለጸ እንትኸውን ግዳይ ገበናት መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዝኮኑ ሰባት ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ኣብ ዘለዎ ቃለመሕትት ክግበሩ ፍቃደኛ ከምዘይኮኑ ነቲ ሓባራዊ ኣጻራይ ጉጅለ ከምዝተዛረቡ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ይርኸብ። እዚ ፍርሒን ጥርጣረን ኣብ ትግራይ ብዋናነት ዝተንጸባረቐ እንትኸውን ሰራሕተኛታት ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ኣብ ዘለውሉ ቃል ንምሃብ ከምዝጽገሙን እቲ ኮሙሽን እውን ከምዘይኣምንዎን ተራእዩ እዩ።

እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ኣዝዩ ሻራዊን እቶም ዓበይቲ ገበናት ዝተፈጸመሎም ከም ኣኽሱም፣ ማርያም ደንገላት፣ ኢሮብ፣ቶጎጋ፣ተንቤን፣ ሓውዜን ካልኦት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ቦታትን ዘየጻረየ እንትኸውን ድሕሪ ሰነ 21 ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝበጽሑ ጨፍጭፋት ዘየጠቃልል እዩ።

ቅዋም ውድባት ፖለቲካ ትግራይ እተታይ ይመስል ነይሩ?

ውድባት ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶናን ውናትን ከሙኡ እውን ሰብሕድሪ ሲቪል ሶሳይቲ ትግራይን ኣመራርሓ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ  ብመንግስቲ ኣብይ ኣቅራባይነት ዝሽወምን ዝምወልን ከምዝኮነን ኣብቲ ምጽራይ ከይሳተፍን ኣመላኪቶም ነቲ ሓባርዊ ምጽራይ ብምቅዋም ናብ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት  ዝኮና ሚሼል ባችሌት ዕላዊ ደብዳቤ ምጻሓፎም ዝዝከር ዋላ እንትኾነ ብወገን ግዳይ እዚ ገበን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ ኮነ ካልኦት ሲቪል ማሕበራት ርኢቶ ክህቡ ዕድል ዝሃበ ምጽራይን ምርመራን ኣይኾነን።

እቲ ዘይሻራዊ ኮሙሽን መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘሳተፈን ልዕሊ 60 ኣመራርሓ መንግስቲ ኣካል እቲ ቃለመሕትትን ምጽራይ ዝገበረ ሓባራዊ ምጽራይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ህወሓት ፈጸምቲ ግብረ ራዕዲ ኢሉ ምብያኑ ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት ኣካል እቲ ምጽራይ ንምግባር ከምዘይከኣለ እውን ገሊጹ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ናይ ባዕሉ ኮሙሽን ኣካል እቲ ምጽራይ ካብ ምግባሩ ሓሊፉ  ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲን ኣመራርሓን ሓሳቦም ክንጸባረቅን እቲ ምጽራይ ሻራዊ ክኸውን በዘይ ድቃስ ዝሰረሐ እንትኸውን ብእቲ ተበዳላይን መንግስቲ ትግራይን ዘሎ ካሊእ ገጽ እቲ ታሪክ ድማ ኣብቲ ምጽራይ ከይተሓወሰ ተሪፉ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ተመዚዞም ግዜያዊ መንግስቲ ተባሂሉ ኣብ ትግራይ ናይ ዝተጣየሸ ኣካል ቃልን ሓበሬታን ከምዘለዎ ተቀቢሉ ከም ሓቂ ወሲዱ ኣብቲ ጸብጻብ ዘመቐመጠ እንትኸውን በዚ ድማ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ብዙሕ ገበናት ከምዝተሳተፈ ኣብዚ ቃልን ሓበሬታን እቲ ናይ ብልጽግና ግዚያዊ መንግስቲ ተመርኺዙ ናብ መደምደምታ ኣብ ብዙሕ ቦታት ክበጽሕ ይርኣይ።

እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተጣየሸን ኣካል እቲ ገበንን ኮይኑ እናሃለወ እቲ ዝህቦ ቃልን ሓበሬታን ከምዘለዎ ምውሳድ ካሊእ እቲ ጸብጻብ ፍጹም ሻራዊን ወገንተኛን ዝገብሮ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ዝፈጸምዎ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝትፈጸመሉ ብርኪን ብዝሓትን ዋላ ዝተቀመጠ ኣይኹን እምበር ክኸሓዱ ዘይኽእሉ ገበን ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍጸም ገበናትን ከምዝፈጸሙ ዝመላክት እንትኸውን ካሊእ እቲ ሻራዊ ሓባራዊ ምጽራይ ክክሕዶ ዘይከኣለ ሓቂ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ጥቅምቲ 29 ክሳብ ሕዳር ክልተ 2013 ሰራዊት ኤርትራ ከተማ ሑመራ ብጀማላዊ ተኮሲ ከቢድ ብረት ከምዝደብደቡን ልዕሊ 15 ሰላማዊያ ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።  መንግስቲ ኤርትራ ናብቲ ኲናት ዝኣተወ ድሕሪ ዕለት ሕዳር ኣርባዕተ ሮኬታት ናብ ኣስመራ ምስተተኮሰ እዩ ዝብል ተደጋጋሚ ፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ክስራሕ ከምዝጸነሐ ዝፍለጥ ዋላ እንተኮነ እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ብኣካል ከይተረፈ ከይዱ ከምዘረጋገጾ ግን ሰራዊት ኤርትራ ቅድሚ ሮኬት ናብ ኣስመራ መዕርፊ ነፈርቲ ምትካሱ ሓሙሽተ ማዓልቲ ኣቀዲሙ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሑመራ ደብዳብ ከምዝፈጸመ ኣቃሊዑ እዩ።

ብተመሳሳሊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈለጦም ዓለም ለካዊ ሚድያታት ብዘይዳግም ኣረጋጊጾም ዝጸብጸብዎም ዓበይቲ ገበናትን ጨፍጫፋትን ሰራዊት ኢትዮጵያ ብቁጽሪ ተቀኒሶም ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ዓላማኦም ተሓቢኡ ኣብቲ ጸብጻብ ዝተቀመጡ እንትኸውን ኩሎም ገበናት ንሰራዊት ትግራይ ክከፋፈሉን፡ ብኩሎም ኣካላት ተፈጺሞም እዮም ብዝብል ክሲ ክሸፋፈኑ ዝተገበሩ እዮም።

ተሓታትነት ብዝምልከት ከም መፍትሒ ናይ ኢትዮጲያ ሲቪላዊን ወታደራዊን ቤት ፍርዲታት ካብ ምቅማጥ ሓሊፍ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተጣየሸ ናይ ዕርቂ ኮሙሽን ከም ሓደ መፍትሒ ክሳብ ዘቅምጥ እንትኸውን ዓለማዊ ናይ ተሓታትንት ኣግባብ ዘቀምጡ ሕግታትን መገዲታት ካብ ምዝርዛር ሓሊፉ ሐዚ ካልኣይ ስሕተት  ንምድጋም ካብ ደገ ብዝመጹ ኣካላትን ናይ ኢትዮጲያ ቤት ፍርዲታትን ብሓባር ሓባራዊ ቤት ፍርዲ ብምጥያሽ ክረኣይ ከምዝክእል ኣብነታት ኣልዒሉ ይምዕድ። እዚ ኣብዚ ሓባራዊ ምጽራይን ጸብጻብን ገበን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኤርትራን ኣናኣስካ ብምቅራብ ተሓታትነት ናይ ምቃናስን ገበን ናይ ምክፋልን ተግባር ዳግም ንምድጋም ዘዓለመ ምኳኑ ንማንም ግልጺ እዩ።

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጨወየ ሻራዊ ሓባራዊ ምጽራይ ከም ድሌቱ ዝተጸብጸበሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ንስሙ ምስ ውስን ቅሬታ ተቀቢለዮ እየ ዝበለ እንትኸውን መንግስታዊ ሚድያታት ሰራዊት ትግራይ ጀማሪ እቲ ኲናት ከምዝኮነን ገበናት ኲናት ከምዝፈጸመን እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ኣቃሊዑ ዝብል ዜናታት ብምስራሕ ኣነ ጥራሕ ኣይኾንኹን ብዝመስል መልክዑ ክቀባበለኦ ቀንየን እየን። እቲ ሓባራዊ ምጽራይ ኩሎም ከባቢታት ትግራይን ኩሎም ዝበጽሑ ገበናት መሊኡ ዘይዳህሰሰን እንትኸውን ብዝትሕዝቶ እውን ግልጺ ዝኮነ ናይ ምርመራ ጉድለትን ወገንተኝነት ዝተረኣዮ ብምኳኑ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሐዚ እውን ዘይሻራዊ ዓለም ለኻዊ ምጽራይ ዘድልዮም እዮም። ብርግጽ እቲ ጸብጻብ እውን ካብቲ ሕባራዊ ምጽራይ ብምብጋስ ካሊእ ዓለምለኻዊ ምጽራይ ክግበር ዝምዕድ እንትኸውን ሙሉእ ምስሊ እቶም ገበናትን ፍትሒ ንግዳያት ንምሃብን ዘይሻራዊ ምጽራይ ክግበር ግድን ይብል።