ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታታ ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ኣተሓሳሲባ።

ካናዳ፡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ስድርኦም ሒዞም ካብታ ሃገር ብህፁፅ ክወፁኡ መምርሒ ኣውሪዳ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ብዝለዓለ ቕልጣፈ ይለዋወጥ ምህላውን ድሕንነት ዜጋታት ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ምብፅሑን ሲዒቡ እዚ መምርሒ ከምዘውረደ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን እቲ ኤምባሲ ብጀካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ስድርኦም ሒዞም ብህፁፅ ካብታ ሃገር ክወፁኡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ሱዑዲ ዓረብ፣ ኲየት፣ ሩስያ፣ ኣመሪካ፣ እንግሊዝን ኖርወይን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ምፅውዐን ዝፍለጥ እዩ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ዕርዲ ደሴ ሰይሩ ገስጋሱ ቀፂሉ ንሰሜን ሽዋ ድሕሪ ምፅግዑ ከምኡ እውን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ንዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮምያ ድሕሪ ምቁፅፃሩን ዝተፈላለያ ሃገራት ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ክፈርስ ተኽእሎ ከምዘሎ ብምእማት ዜጋታተን ብህፁፅ ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ከምዝኣዘዛ ይግለፅ።