ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ሓላፊ ኦቻ ማርቲን ግሪፍትስን ምስ መንግስቲ ትግራይ ተዛትዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ሓላፊ ኦቻ ማርቲን ግሪፍትስን ምስ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚንካኤል ከምዝዘተዩ ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።

ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚንካኤል፡ ንነበር ፕረዚዳንት ናይጀርያን ፉሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ቤት ፅሕፈቱ ከምዘራረቦን ብዛዕባ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያን ዞባዊ ኩነታትን ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ከምኡ እውን ምስ ዋና ፀሓፊ ኦቻ፡ ንጉዳይ ሰብኣዊ ረዲኤትን ካልእ እዋናዊ ዛዕባን ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ኩሎም ልኡኻት ድማ ዑደቶም ዛዚሞም ትማሊ ንምሸቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ንምህዳእ ዝመዘዞ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

ብምዃኑ እውን ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ ሓያላን ሃገራት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ብምዝታይ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዘሎ ኲናት ንምፍታሕ ፈለማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂሉ ድማ ናብ መቐለ ብምዃድ ንኽልቲኦም መንግስታት ረኺብዎም ኣሎ።

ብዛዕባ ኣብ መወዳእታ ዝተረኸበ ፍረን ድልየትን ዝምልከት ክሳብ ሐዚ ዝወፀ ሓበሬታ የለን።