ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኻየደ ወራርን ዕፅዋን 85% መራሕቲ ስድራ ትግራይ ውሕስና ምግቦም ከምዘየረጋገፁ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኻየደ ወራር ዝበፅሐ ዕንወትን ዕፅዋን ስዒቡ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕቲ ካብ 100 መራሕቲ ስድራ እቶም 85 ውሕስና ምግቦም ከምዘየረጋገፁ ኣመልኪቱ።

ፕሮፌሰር ስነ-መዓዛ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣፈወርቂ ሙሉጌታ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ወራር “ኣብዚ ሐዚ እዋን 85% መራሕቲ ስድራ ትግራይ ውሕስና ምግቦም ከምዘየረጋገፁ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ትግራይ ብዘካየድናዮ መፅናዕቲ ኣረጋጊፅናዮ ኣለና” ክብል ገሊፁ።

ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ሙሉጌታ ወሲኹ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ዝተኻየዱ መፅናዕትታት “መጠን ምግቢ ውሕስነኦም ዘየረጋገፁ መራሕቲ ስድራ 42% እዩ ነይሩ ሎሚ ብዕፅፊ ወሲኹ 85% በፂሑ” ከምዘሎ ጠቒሱ።

ነባሪት ከተማ ኣላማጣ ወይዘሮ ለታይ ኪዳነማርያም ኣብ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ዓይደር ብምኽንያት ሕፅረት ምግቢ ዝተጠቐዐ ወዳ ክተሐክም ረኺብናያ “ወረርቲ ዕጡቓት ኣምሓራ ዝኽእልዎ ወሲዶም ዘይከኣልዎ እውን ኣብሪሶም ስለዝኸዱ ናብ ሕሱም ጥሜት” ከምዝተቓለዐት ተዛሪባ።

ኣብ ገዛ ዝነበረ ምህርቲ ብምውራሩ “ረድኤት ዝርከበሉ ዕድላት ከይህሉ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ዓፅዩ ብጥሜት ክንረግፍ ይገብር” ስለዘሎ ኣብ ከቢድ ፈተና ምውዳቓ ገሊፃ። ብምኽንያት ሕፅረት ምግቢ ህፃናትን ዓበይትን ይሞቱ ብምህላዎም “ነዚ ብተፈጥሮ ከይኮነስ እኽሊ ከይተስኣነ ብሰብ-ሰራሕ ጥሜት ህዝቢ ከምህዝቢ” ናብ ሓደጋ ፅንተት ዘእተወ ተግባር “ንፈፀምቱን ነቲ ፍፃመ ብግብራዊ ስጉምቲ” ዘይተኸላኸለ ማሕበረሰብ ዓለምን “ታሪኻዊ ተሓታትነት” ዘስዕብ ዘሕዝን ፍፃመ ምዃኑ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ተዛሪቡ።

ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ውሕስና ምግቢ ብዘይምርግጋፁ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜትን ዓፀቦን ጥሒሉ ንሞትን ስቓይን ተቓሊዑ ከምዝርከብ ዝጠቐሰ ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ “ማሕበረሰብ ዓለምን ሰብኣዊ ትካላትን ኣዕርዩ ከይረፈደ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣየር ይኹን ብኻሊእ ሜላ ብቕልጡፍ ዝኣትወሉ መፍትሒ ከናዲ” ፀዊዑ።

ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ 80% ምህርቲ 2012 ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ወራር ምጉሓሉን ምብራሱን ብዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ኣቢሉ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።